ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ክፈትሕ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮሚሽን ዓለምለኸ ሃይማኖታዊ ነፃነት ፀዊዑ


USCIRF Logo
USCIRF Logo

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮሚሽን ዓለምለኸ ነፃነት ሃይማኖት The U.S. Commission on International Religious Freedom (USCIRF) መንግስቲ ኤርትራ ንፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንክፈትሖም ፀዊዑ።

ዘይሕጋዊ ምውራድ ኢሉ ዝፀውዖ ስጉምቲ ሻምናይ ዓመት ከምዘቑፀረ መግለፂ USCIRF ይሕብር።

‘’USCIRF ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዘይሕጋዊ ካብ ስልጣኖም ምውራዶምን ብቐፃልነት ኣብ ገዛ ምእሳሮምን ብፅኑዕ ንኹንኖ’’ ይብል እቲ መግለፂ።እቶም ፓትሪያሪክ ብከቢድ ሕማም ሽኮር ከምዝሳቐዩን ናይ ሕክምና ሓገዝ ተኸልኪሎም ኩነታት ጥዕንኦም እናሓመቐ ይኸይድ ከምዘሎን ይዝርዝር እቲ መግለፂ።

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሖም ብምፅዋዕ ልዕሊ 2,000 ሰባት እውን ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ተኣሲሮም ይርከቡ ይብል USCIRF።

ናይ ሃይማኖት ነፃነት መሰረታዊ’ዃ እንተኾነ እዞም መሰላት እዚኣቶምን ካልኦት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብቶም ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ተኸልኪሉ እዩ ይብላ ሓላፊት እቲ ትካል ቸይር ላንቶስ ስዌት።

ፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ንመንግስቲ ንዝተቓወሙ 3,000 ሰበኽቲ ከባርሩ ካብ መንግስቲ ንዝቐረበ ትእዛዝ ብዘይምፍፃሞምን ፖለቲካዊ እሱራት ንኽፍትሑ ብምሕታቶምን ሰበስልጣን ኤርትራ 13 ጥሪ 2006 ዓ/ም ካብ መንበረ ፓትሪያርክነቶም ከምዘወገዱዎም እቲ መግለፂ ይሕብር።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴተስ ብምጥሓስ ነፃነት ሃይማኖታት ንኤርትራ ከም ‘’ፍሉይ ሻቐሎት ዘሕደረት ሃገር’’ /country of particular concerns/(CPC) ኢሉ ንኽምድባ USCIRF ካብ 2004 ኣ/ፈ ጀሚሩ ክሓትት ከምዝፀንሐ ይሕብር።

ሪኢቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG