ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

USAIDን ኦቻን አብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞም ኣፍሊጦም


ሳማንታ ፓወር
ሳማንታ ፓወር

አብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ሚልዮናት ተሓገዝቲ ካብዚ ሰሙን’ዚ ጀሚሩ ከሐግዘሉ ናብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ከምዝበጽሐ ስግር ባሕሪ ተራድኦ ዩናይትድ ስቴትስ (USAID) ኣፍሊጡ።

ናብ’ዚ ኩነታት’ዚ ዝበቅዐ፣ ሕጽረት መግቢ ስለዘጋጠሞ ዘይኮነስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታትን ከምኡውን ምንቅስቃስ ረድኤት ዝጻዓና ማካይንን ነፈርቲን የተዓናቅፍ ስለዘሎን እዩ ኢለን ኣማሓዳሪት USAID ሳማንታ ፓወር።

ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ትዮጵያ ብወገና ‘መንግስቲ፣ ናብ’ታ ክልል ዝኣትው ኣገልግሎት ረድኤት፣ ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ’ ይብል ወኪልና ኬነዲ ኣባተ ዝላኣኾ ሪፖርት።

USAID ስግር ባሕሪ ተራድኦ ዩናይትድ ስቴትስን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን (ኦቻን) ኣብ ዝዘርግሕዎም መግለጺታት፣ ኩነተ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ትግራይ እናንቆልቆለ ይመጽእ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

አማሓዳሪት USAID ሳማንታ ፓወር ትማሊ አብ ዝሃበኦ መግለጺ ‘ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁጸሩ ሰባት ንጥምየት አብ ዝተቃልዑላ ክልል ትግራይ ዘለው መኻዚኖታት ረድኤት ተጸንቂቆም ኣለው ምባል ይካኣል ኢለን።

ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ቅድሚ ትሻዓተ ወርሒ ንፈለማ ጊዜ አብ’ዚ ሰሙን’ዚ መግለጺ ዝሃቡ ትካላት፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሚልዮናት ህዝቢታት ዘቅርብዎ መግቢ ከምዝወድኡ ይገልጹ ኣለው። USAIDን ሓቢሮምዎ ዝሰርሑን ትካላት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ክዙን እኽሊ ከምዝተጸንቀቀ ዝገለጻ ሳማንታ ፓወር፣ ናብ’ዚ ብርኪ’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ግና፣ ሕጽረት ረድኤት እኽሊ ስለዘጋጠመ ዘይኮነስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ከምኡውን ንምንቅስቃስ ረድኤት ዝጻዓና ማካይንን ነፈርቲን የተዓናቅፍ ስለዘሎን እዩ ኢለን ከሲሰን።

ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾነት ቢል ለኔ ስዩም ብወገና ‘መንግስቲ፣ ናብ’ቲ ክልል ንዝኣትው ኣገልግሎት ረድኤት ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ከምዝጸንሐ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ’።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00



XS
SM
MD
LG