ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ ሞት አዴታትን ህጻናትን ንምንካይ ዝውዕል ፕሮጀክት 200 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምዝልግስ ኣፍሊጡ


ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ (USAID) ኣብ ኢትዮጵያ ሞት አዴታትን ህጻናትን ንምንካይ ዝዓለሙ መርሃ ግብርታት ሎሚ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ሓድሽ ኣምባሳደር ማይክል ረይኖር ንሓሙሽተ ዓመታት 181 ሚልዮን ዶላር ዝተመደበሎም ፕሮጀክትታት ከምዝተመደቡ ኣብ ዝገለጽሉ ስነ ስርዓት ተረኺቦም፡ ሃገሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንጨንፈር ጥዕና ጥራይ ንኢትዮጵያ 200 ሚልዮን ዶላር ምልጋሳ ከምትቀጽል’ውን ተዛሪቦም።

ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ ክሳብ 2020 ዓ.ም. ማለት ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ኣርባዕተ መርሃ ግብርታት ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህጻናትን 181 ሚልዮን ከምዝመደበ ተገሊጹ’ሎ።


ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG