ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽርክና መንግስቲ ኣሜሪካን ባንክታት ኢትዮጵያን ኣብ ምሕጋዝ ተለቃሕቲ


USAID
USAID

ዘፈራት ሕርሽን ጥዕናን ተረባሕቲ እዮም

ሽርክና መንግስቲ ኣሜሪካን ባንክታት ኢትዮዽያን፣ዘፈራት ሕርሻን ጥዕናን ኢትዮዽያ ከጠናኽር‘ዩ ተባሂሉ።እቲ ፕሮግራም፣ቅድሚ ሎሚ ዕድል ልቃሕ ክረኽቡ ንዘይኽእሉ ዝነበሩ ትካላት ከምዝረብሕ‘ውን ተጠቂሱ።

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ USAID ነቲ ዛጊድ ኣብ ኢትዮዽያ ንክልተ ሚእቲ ኣብ ሕርሻን ንግድን ዝተዋፈሩ ዳያስፖራን ደቂ-ኣነስትዮን ምሕዩሽ ውፅኢት ንከመዝግቡ ዝጀመሮ ፃዕሪ ቀፂሉ‘ሎ።

እቲ ምስ ባንኪታት ኣቢስንያ፣ንብን ዘመንን ዝተፈረመ ናይ ዕስራ ነጥቢ 7 ሚልዮን ዶላር ስምምዕነት ገንዘብ ልቃሕ፣ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ሕርሻን ጥዕናን ንዝተዋፈሩ ተለቃሕቲ ከርብሕ‘ዩ።መንግስቲ ኣሜሪካ ምኩራት ተለቃሕቲ ንዘይነበሩ ሰባት ካብ‘ተን ባንክታት ልቃሕ ገንዘብ ንክረኽቡ ሓላፍነት ክስከም‘ዩ።

እቲ ፕሮግራም ልቃሕ፣ኣብ 83 ወረዳታት ኢትዮዽያ፣ንእሽተይ ግራት ሓሪሶም ንዝናበሩ ሓረስቶት መዐደጊ ትራክተር፣ምምሕያሽ መስኖን መዐደጊ ካልኦት ሕርሻዊ ናውቲን ክውዕልን‘ዩ።ኣብ ኢትዮዽያ ሓላፊ USAID ታመስ ስታል ፍረ እቲ ኣገልግሎት ልዑል‘ዩ ኢሎም።

ሚስተር ስታል ”ኣብ ኢትዮዽያ መጠን ንግዳዊ ሕርሻ ኣዝዩ ንእሽተይ‘ዩ።ዕቊር ዓቅሙ ግና ኣዝዩ ገዚፍ ስለዝኾነ፣መጠን እኽሊ ናብ ህዝቢ ኢትዮዽያ መሊእካ ንምቅራብ ከምሓደ መንገዲ ክንጥቀመሉ ኢና።ዕድል ስራሕ‘ውን ዝፈጥር‘ዩ” ይብሉ።

”ሓረስቶት ስፍሓት ዝሓርስዎ መርየት ምስ ዝውስኽ፣ማዕሪኡ ሰባት ቆፂሮም ከስርሑ‘ዮም።ኣብ ንግዳዊ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሰባት ሰደድ ክልእኹ ከለው፣ ናብ‘ዛ ሃገር ሸርፊ ወፃኢ የምፅኡ።ከምኡውን ነቲ ዝዘርእዎ እኽሊ ንምቅይያር ዕድል ክረኽቡ‘ዮም” ዝብል ገምጋም ኣለዎም ንሶም።

ታመስ ስታል ወሲኾም፣ኣብ ንእሽተይ ግራት ተዋፊሮም ዝናበሩ ሓረስቶት ኣታዊኦም ንስድራኦምን ዕለታዊ ህይወቶምን ክጥቀሙሉ ከለው፣ኣብ ንግዳዊ ሕርሻ ዝዋፈሩ ሰባት ግና፣ኣብ ኢትዮዽያ መግባዊ ረብሓኦም ኣዝዮም ሃነፅቲ ዝባሃሉ ልዑል ፍርያማነት ክህልዎም ኣብ ዝኽእሉ ኣእካል ከተኩሩ ይኽእሉ‘ዮም ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ብዙሓት ኢትዮዽያውያን ገፆም ናብ ውልቀ-ዘፈር ጥዕና ይኣትው‘ለው ዝበሉ ሓላፊ USAID ኣብ ኢትዮዽያ ታመስ ስታል፣ኣሜሪካ ዝለገሰቶ ዕድል ልቃሕ ንኣገልግሎት ክሊኒክ፣ፋርማሲን ሆስፒታልን ኣብ ምምሕያሽ ርኡይ ተራ ክህልዎ‘ዩ ኢሎም።

እቲ ኣገልግሎት ልቃሕ ብሕልፊ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን HIV/AIDS ን ዓባይ ሳዓልን ንዝተዋፈሩ ኢንቨስተራት ከምዝውዕል እቲ ዜና ይሕብር። ሚስተር ስታል፣እቲ ፕሮግራም ልቃሕ ንሸቶታት ህዝባዊ ጥዕና ኢትዮዽያ ከሐይል‘ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ንሶም “ዘፈር ውልቀ-ጥዕና‘ዮም ኣብ ምህዞኣዊ ቴክኒክን ሓደስቲ ኣገባብ መጥባሕቲን መሪሕ ተራ ዝህልዎም።እዚ ኣገባብ‘ዚ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ንምርካብ ቀሊል ስለዘይኮነ፣ውልቀ-ዘፈር-ጥዕና ረባሕቲ‘ዮም።ናእሽቱ ክሊኒካት፣ንምህዞን ሓደስቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታውን ዝሕግዙ፣ንሓደስቲ ኣፋውስ ዝፍትኑ፣ውፅኢታዊ ምስ ዝኸውን ድማ ናብ ዓበይቲ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ምዝርጋሕ ይካኣል ማለት‘ዩ” ባሃላይ‘ዮም።

USAID ዕድል ልቃሕ ብቀሉሉ ክረኽቡ ናብ ዘይኽእሉ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ብምቅራብ፣ተለቃሕቲ ኣብ እዋኑ ንዝተለቅሕዎ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ምኻኖም ዘረጋግፅሉ፣ኣለቃሕቲ ድማ ኣብ‘ቲ ንቡር ኣሰራርሓ ልቃሕ ንዘይሕቆፉ ሰባት ዘልቅሕሉ መስርሕ ንክትግብሩ ዕድል ክህብ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG