ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለፍቲ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ USAID ኣብ ኢትዮጵያ ጥምየት የለን ኢሎም


ህፃናት ብጉድለት ኣመጋግባ ከምዝሳቐዩ ግና ጠቂሶም

ኣብ ኢትዮዽያ ሓደጋ ጥምየት የለን፣ውሕስና መግቢ ንምርግጋፅ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ድማ ተስፋ ኣለዎ ክብሉ ሓለፍቲ ትካል ተራድኦ ዩ-ስ (USAID) ገሊፆም።ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት‘ውን ይረኽቡ‘ለው ኢሎም።

እዞም ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ምብፃሕ ዝፈፀሙ ሰበ-ስልጣን USAID ናብ ኢትዮዽያ ዝኣተው ደርቂ ዘስዓቦ ፀገም ንምግምጋም ጥራሕ ኣይኮነን ይብሉ።ኣብ ክንድኡ ብመንፅር ኣብ ዝተናወሐ ስራሕቲ ካብ‘ቲ ደርቂ ብከመይ ምሕዋይ ከምዝካኣልን፣መደባት ትካል ተራድኦ ዩ-ስ ምስ መደባት መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣጣዓዒምካ ንምቅፃል ምኻኑ ተሓቢሩ‘ሎ።

ምክትል ዳይረክተር USAID ግሪጎርይ ጎትሌብ፣ኣብ ኢትዮዽያ ውሕስና መግቢ ንምርግጋፅ ዘሎ ፃዕሪ ኣዎንታዊ ኣንፈት ሒዙ‘ሎ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮዽያ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ሓደጋ ጥምየት ከምዝተኸሰተን ሎሚ’ውን እቲ ሓደጋ ከምዘሎ ይኣምኑ፣ግን ኩነታት ተማሓይሾም‘ዮም ኢሎም ይማጎቱ።ኣብ‘ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮዽያ ጥምየት የለን ኢሎም ግሪጎርይ ጎትሌብ።

”ኣብ ኢትዮዽያ ጥምየት የለን።ኣብ‘ዚ እዋን ኣብ ኢትዮዽያ ዘሎ ኩነታት፣ ምስ‘ቲ ናይ ሶማልያ ኣይመሳሰልን።ኣብ ሶማልያ ዝተኸሰተ ጥምየት‘ዩ።ካብ ጉድለት ዝተማለአ መግቢ ንላዕሊ ዝኾነ ፀገም።ኣብ ኢትዮዽያ ግና ከምኡ ዓይነት ፀገም የለን።ብምንፅፃር፣ኩነታት ኢትዮዽያ ይሓይሽ” ኢሎም ንሶም።

ኣብ ምብራቅን ምዕራብን ሃረርን ኣብ ኦሮምያን ዝተዓዘብዎም ክሊኒካት፣ ብጉድለት ኣመጋግባ ዝሳቀዩ ህፃናት ክንክን ይረኽቡ ከምዝነበሩ፣በዝሒ‘ቶም ህፃናት እናወሰኸ ሪኢና ኢና ኢሎም ሚስተር ግሪጎርይ ጎትሌብ።

እቶም ማእከላት ብዓለም-ለኸ ትካላት ዝማሓደሩ‘ዮም።ግን መንግስቲ‘ውን ብቀረባ ይከታተሎም‘ሎ።በዝሒ ህፃናት ይውስኽ ኣሎ‘ዮም ዝብሉ ሚስተር ጎትሌብ።

ንሶም ወሲኾም ”ብጉድለት ኣመጋግባ ዝሳቀዩ ህፃናት፣ናብ ክሊኒክ ከይዶም ክንክን ይረኽቡ‘ዮም።ህፃናት ሶማልያ ግና እዚ ዕድል‘ዚ የብሎምን።እቲ ኩነታት ሎሚ ክንግምግም ከለና ግና፣እቲ ኣንፈት ሎሚ ይውስኽ‘ሎ ንምባል ንኽእል ኢና።ኩነታት ምርግጋእ ዝጀመረ‘ኳ እንተመሰለ፣እቶም ክሊኒካት ሎሚ‘ውን ንብዙሓት ህፃናት ከተኣናግዱ ይግደዱ‘ለው” በሉ።

ትካል ረድኤት ዩ-ስ USAID ሎም-ዘበን ኣብ ኢትዮዽያ ኣብ ዝተኸሰተ ሓደጋ ደርቂ ንሓገስ ዝውዕል 231,192,658 ዶላር ለጊሱ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG