ዋሽንግተን —
ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ዋሺንግተን ዲሲ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ስራሕ ከይወፍሩ መምርሒ ተዋሂቦም። እዚ ዝኸውን ዘሎ ንመንግስታዊ ቅርጣውነት ክመርሕ ዝተመዘዘ ቢልዮነር ኢላን ማስክ፡ ንምዕጻው እቲ ትካል ኣመልኪቱ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝተዛረበ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።
ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ፡ ኢላን ማስክ፡ እቲ ትካል ተራድኦ “መዋፈሪ ገበን’ዩ ብምባል ዕምሩ ክሓጽር ኣለዎ፡” ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ዝሰርሑ ኣስታት 600 ሰራሕተኛታት እምበኣር ሎሚ ሰኑይ ስራሕ ከይወፍሩ መልእኽቲ ከም ዝተቐበሉ ኣመልኪቶም።
ብዛዕባ መጻኢ እቲ ትካል ግን ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
ቅጥዒ