ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ተራኺበን: ተዘራሪበን


ሓላፊት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ
ምስ ፕረዚደንት ሶማል ተራኺበን ተዘራሪበን
ሓላፊት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ተራኺበን ተዘራሪበን

ትማሊ ሰንበት ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ዝተራኸባ ሓላፊት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሳማንታ ፓወር "ኣብ ሶማል አጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ሓድሽ ጥቅሉል ረድኤት ከምዝዋሃብ" ገሊጸን።

ጕዕዘአን ብኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሶማል ላርይ ኣንድረ ዘሰንያ ዘለዋ ሳማንታ ፖወር፡ ድሕሪ እቲ ርክብ፡ ትካለን 476 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪተን። እቲ ሓገዝ ነቲ ብደርቂን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋታት ተጐዲኡ ዘሎ ህዝቢ ንምድጋፍ ክውዕል’ዩ።

ኣብዚ ዓመት ድማ ኣመሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ሶማል ዝውዕል 707 ሚልዮን ዶላር ምብርካታ ብቤት ጽሕፈት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ይጠቅስ።

ሳምንታ ፖወር ኣብ ሶማል ወሪዱ ዘሎ ደርቂ ኣመልኪተን ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሐኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፤“እዚ ከምቶም ዝቐደሙ ብሰንኪ ሕጽረት እኹል ዝናብ ዘጋጠሙ ደርቂ ኣይኰነን። ንህይወት ሚልዮናት ክጸሉ ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት ኢዩ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዘሎ፡”ኢለን። ካልኦት ሃገራት’ውን ሓገዝ ክህባ ፖወር በቲ ኣጋጣሚ ጸዊዐን።

ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ ግን ሳማንታ ፖወር ካልእ ስክፍታ’ውን ጠቒሰን ነይረን። እቲ ሓገዝ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከይበጽሐ ኣብ ጁባ ብልሽዋት መራሕቲ ከይኵለፍ ሻቕሎተን ኣቐሚጠን።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ሶማል ብደርቂ ተጻልዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሶማል’ውን ብዓርቢ ንዅነታት ደርቂ እትከታትል ኣሃዱ ኣቚሙ ምህላዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG