ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኤስ ኣይ ዲ ብግጭት ክልል ትግራይ ንዝተፈናቐሉ ዝውዕል መጽለልን ኣቑሓትን ናብ ኢትዮጵያ ከምዘእቱ ኣፍሊጡ


ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ንመጽለሊ ዝኮኑን ናይ ገዛ ኣቁሑትን ቀረባትን ብነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእትው ሓቢሩ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣሜሪካ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ይፍለጥ።

ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ንልዕሊ 82,500 ዝዀኑ በቲ ኣብ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝተጐድኡ 1,500 ሰባት፣ መጽለሊ ላስቲክን ህጹጽ ረድኤትን ብነፋሪት ከምዘእትው ሓቢሩ። እቲ ዝተጋዕዘ ጥቅሉል ነዊሕ ዝጸንሕ መጽለሊ፣ ካብቲ ኣብ ዱባይ ዚርከብ መኽዘን USAID እዩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘእትው ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ንክሃድሙ ኣገዲድዎም እዩ፣ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ደገ ወይ ኣብ እተጻበበ ስፍራ ይድቅሱ ኣለዉ። USAID ከም መቅድሒ ማይን ድስቲን ካልኦትን ዝበሉ መስርሒ መግቢ ከምኡውን ከም አንሶላን ኮቦርታን ዝኣምሰሉ ናይ ገዛ ኣቅሑን ከምዝልግስ ገሊጹ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ዩ ኤስ ኤድ መጽለሊን ኣቅሑትን ብነፋሪት ናብ ትግራይ ከምዘእትው ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:14 0:00



XS
SM
MD
LG