ዋሽንግተን —
ኣርባዕተ ብዓጸቦ ዝተጠቕዓ ማለት ( ፎር ፋሚን - Four Famine) ተባሂለን ዝግለጻ የመን: ደቡብ ሱዳን: ናይጀርያን ሶማልያን ናይ 550 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ (ዩኤስኤይድ) ከምዝተላእኸለን ኣመሓዳሪ እቲ ትካል ማርክ ግሪን ኣፍሊጡ።
ንሱ ነዚ ዘፍለጠ: ህቦብላን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ኣሜሪካ ተወሳኺ ናይ ህይወት ኣድሕንን ክንክን ጥዕናን ሓገዝ ኣብ ዘበርከተትሉ ምዃኑ ብተወሳኺ ተገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ዩኤስኤይድ ማርክ ግሪን እቲ ሓገዝ ኣሜሪካ ነዘን ኣርባዕተ ሃገራት ኣብዚ ዓመት ንዝለገሰቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ 2.4 ቢልዮን ዶላር ክብ ከምዘበሎ ተፈሊጡ።
ማርክ ግሪን እዚ ኣሜሪካ ነዘን ሃገራት ዝለገሰቶ ናይ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ: ጎድኒ ጎድኒ’ቲ ንናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዝቐርብ ሓገዝ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።