ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ብዓጸቦ ዝተጠቕዓ ሃገራት ናይ 550 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ዩኤስ ኤይድ ተላኢኹለን


ኣመሓዳሪ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ (ዩኤስኤይድ) ማርክ ግሪን
ኣመሓዳሪ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ (ዩኤስኤይድ) ማርክ ግሪን

ኣርባዕተ ብዓጸቦ ዝተጠቕዓ ማለት ( ፎር ፋሚን - Four Famine) ተባሂለን ዝግለጻ የመን: ደቡብ ሱዳን: ናይጀርያን ሶማልያን ናይ 550 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ (ዩኤስኤይድ) ከምዝተላእኸለን ኣመሓዳሪ እቲ ትካል ማርክ ግሪን ኣፍሊጡ።

ኣርባዕተ ብዓጸቦ ዝተጠቕዓ ሃገራት ናይ 550 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ዩኤስ ኤይድ ተላኢኹለን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:14 0:00


ንሱ ነዚ ዘፍለጠ: ህቦብላን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ኣሜሪካ ተወሳኺ ናይ ህይወት ኣድሕንን ክንክን ጥዕናን ሓገዝ ኣብ ዘበርከተትሉ ምዃኑ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ዩኤስኤይድ ማርክ ግሪን እቲ ሓገዝ ኣሜሪካ ነዘን ኣርባዕተ ሃገራት ኣብዚ ዓመት ንዝለገሰቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ 2.4 ቢልዮን ዶላር ክብ ከምዘበሎ ተፈሊጡ።

ማርክ ግሪን እዚ ኣሜሪካ ነዘን ሃገራት ዝለገሰቶ ናይ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ: ጎድኒ ጎድኒ’ቲ ንናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዝቐርብ ሓገዝ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

XS
SM
MD
LG