ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልምምድ የካይድ ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልምምድ የካይድ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ሓባራዊ ልምምድ፣ ወትሃደራት ኣይቮሪኮስት፣ ናይጀርያን ጋናን ይሳተፉ ከምዘለው’ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ዕላማ’ቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣካል ፕሮግራም ፍሊንትሎክ ኣመሪካ ከምዝኾነን፣ ንዓቅሚ ሓይልታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ንምሕያል ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኣድሚረል ሚልተን ሳንድ ማያዊ ግዝኣት ዘለወን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ብባሕሪ ኣቢሉ ንዘጋጥመን ስግኣት ንምቁጽጻር ዘኽእለን ልምምድ ከምዝኾነ ይዛረብ።

XS
SM
MD
LG