ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጆ ባይደን ብኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ \Poll\ ንፕረዚደንትትራምፕ ይመርሑዎም ኣለው።ኣብ ዝቕፅል ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ ክዕወቱ ግን ናይ ፓርቶም ገስጋሳይ ክንፊ ከተሓባብሩ ኣለዎም።ዝቐፀለ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ልሙድ መስርሕ ወፍሪ ምርጫ ኣፀጋሚ ገይሩዎ ይርከብ።ባይደን ሕፀኦም ብዕሊ ንምቕባል ኣብ ሚልዋኪ ዊሰክንሰን ኣብዝካየደ ናይ ፓርቶም ዋዕላ ብኣካል ኣይሳተፉን ይብሉ ሰበስልጣን ወፍሪ ምርጫ ባይደን።ብሰንኪ ስኽፍታ ኮቪድ-19 ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ክንዲ ብእካል ተረኺብካ ብፖስታ ብምልኣኽ ድምፂ ንምሃብ መማረፂታት ንምቕራብ ብስፍሓት ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።ፕሬዝዳንት ትራምፕ ግን እዚ ንምጭንርባር በሪ ዝኸፍት እዩ ይብሉ።
እዋኑ ናይ ምርጫ እዩ።ዝለዓለ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን ምስፍሕፋሕ ሓደገ ኮሮናቫይረስን እውን ኣለው።ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ሕዳር ኣብዝካየድም ርጫ ንሕንሕ ኣብ ዝካየደልንን ወሰንቲ ኣብ ዝኾናን ክፍለ ግዝኣታት ተቐባልነቶም ድኽም ዝበልሉ በዞም ልዕል ኢሎም ተጠቒሶም ዘለው ምኽኒያታት እዩ።
እቲ ዓውዲ ግጥም ናብ ትሕዝቶታት ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ይጋፋሕ ኣሎ።እዚ ንጆ ባይደን ጥዑም ዜና እዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂኒያ ተንታኒ ላሪ ሳባቱ ከምዚ ‘’ዓሰርተ ዓመት ንድሕሪት ምልስ እንተይልካ ኣሮዝናንን ቴክሳስን ዋላውን ጆርጂያ ናይ ንሕንሕ ቦታ ነይረን ዝብለካ ትረክብ ኣይመስለንን’’ ይብል።
ኣብዚ ዓመት ግን ናይ ንሕንሕ ከባቢታት እየን።ናይ ባራክ ኦባማ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ባይደን ኣብቲ ምምሕዳር ዓብይ ታራ ዝተፃወቱ እዮም።
ኣብ 29 ዓመቶም ሰኔተር ኮይኖም ዝተመረፁ ባይደን ሙኩር ፖለቲከኛ እዮም።‘’መንግስቲ ከመይ ከምዝሰርሕ እፈልጥ እየ’’ ይብሉ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂኒያ ተንታኒት ባራባራ ፐሪ ባይደን ኣብ ህይወቶም ብብዙሕ ፈተናታት ዝሓለፉ እዮም፤ናይ መጀመሪያ ብዓልቲ ቤቶምን ጓሎምን ብሓደጋ መኪና ዝሰኣኑ እዮም ትብል።ኣብ 2015 ኣ\ፈ ድማ ቦኽሪ ወዶም ብካንሰር ስኢኖም።
ዝሓለፉዎም ዘሕዝኑ ውላቃዊ ፈተናታትን ነዊሕ ናይ ፖለቲካ ተመኩሮን ማዕረ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበራ ሕፅይቲ ዴሞክራት ኣብ ልዕሊኦም ናይ ተፃብኦ በትሪ ንምዕራፍ ከቢድ ይገብሮ።
ባይደን ምልሕሓፅ ዝበዝሖ ናይ መፃረይ ውድ ድር እዮም ሓሊፎም።
ገለ ኣድመፅቲ ኣብዚ ናይ መረፃ ማእዲ ብዝቐረበ ምርጫ ሕጉሳት ኣይኮኑን።ፖለቲካዊ ተንታኒት ሸሪ በቢች ጄፍ ንኽልቲኦም ተወዳዳርቲ ዘይድግፉ ኣድመፅቲ ከምዘለውን እንተኾነ ግን ካሊእ መማረፂ ስለዘይብሎም ክመርፁ ከምዘልዎን ትገልፅ።
እቲ ምርጫ ዝካየደሉ ኣገባብ እውን ምስሕሓቡ ኣይተረፈን።ብስንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክፍለ ግዝኣታት ብፖስታ መልክእኽቲ ድምፂ ናይ ምሃብ መማረፂ የጋፍሓ ኣለዋ።ብመልእኽቲ ፖስታ ድምፂ ምሃብ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክሳብ ልዕሊ150 ዓመታት ንድሕሪት ዝኸይድ ነዊሕታሪኽ ኣለዎ።
ፕሬዝዳንት ትራምፕ ግን ክፍለ ግዝኣታት ብፖስታ ኣብ ዝልኣኽ ድምፂ ዝሙርከዛ እንተኾይነን ምንዋሕ ክፍጠር እዩ ክብሉ የጠንቅቑ።
‘’ንሰሙናት፣ንኣዋርሕ ምናልባሽ እውን ድሕሪ ዓመታት ውፅኢት ናይቲ ምርጫ ኣይክትፈልጥን’’ዝበሉ ንሶም ‘’ውፅኢት ናይቲ ምርጫ ንሓዋሩ እውን ምናልባሽ ኣይክትፈልጡዎን።እዚ እዩ ዘሰክፈኒ ዘሎ።ክስናዕ እዩ’’ ኢሎም።
ዋላ እውን ብናይ ፖስታ መልእኽቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ምርጫ ምጭብርባር ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ ይብሉ ሰበስልጣን ምርጫ።መብዛሕቲአን ክፍለ ግዝኣታት ብፖስታ ልኢኽካ ድምፂ ምሃብ ይፈቕዳ እየን።ኣብዚዓመት ኣብዝካየድ ምርጫ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሩ ናይ ፖስታ መልእኽቲ ድምፂ ንምቑፃር ተወሳኺ ግዜ ትፅቢት ይገብሩ።
ኣብ ዩናይይትድ ስቴትስ ምንዋሕ ውፅኢት ድምፂ ፈላምይ ኣይኸውንን።ኣብ 2000 ኣ\ፈ ኣብ መንጎ ኣል ጎርን ጆርጅ ዳብሊው ቡሽን ብዝነበረ ኣሰሓሓቢ ምርጫ እወጃ ውፅኢት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተናዊሑ እዩ።
ኣብዚ ዝለዓለ ምትፍናን \polarization \ ዘለዎ እዋን ዝኾነ ይኹን ፀገም ከጋጥም ይኽእል ይብሉ ተንተንቲ።
ትራምፕ ምርጫ ክናዋሕ ኣለዎ ካብ ዝብል ሪኢቱኦም እንተሰሓቡ እውን ብፖስታ መልእኽቲ ምድማፅ ዝብል ግን ጥርጣርኦምን ስኽፍቶም ቀፂሎምሉ ኣለው።
ብዴሞክራት እትምራሕ ክፍለ ግዝኣት ኔቫዳ ኩሎም ኣድምፅቲ ብፖስታ ድምፆም ክህቡ ትልሚብምሓዛ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ከሲ መስሪቱ ኣሎ።
ብሪፓብሊካዊያን ኣብ እትምራሕን ናይ ንሕንሕ ማእኸል ኣብ ዝኾነትን ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ግን እቶም ፕሬዝዳንት ብናይ ፖስታ መልእኽቲ ድምፆም ክህቡ የተባብዑ ኣለው።ኣብ ስልጣን ዘሎን ዝሓለፉን ኣመሓደርቲ ናይታ ክፍለ ግዝኣት ስርዓት ምርጫ ውሑስን ዘተኣማምንን ስለዝገበሩዎይብሉ።
ብመሰረት ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ኣሜሪካዊያን ብፖስታ ኣቢሎም ድምፆም ክህቡ ይደልዩ። ይኹን ብሓቂ ውሑስ ድዩ ኣብ ዝብል ግን ስምምዕ የለን።
ብናይ ፖስታ መልእኽቲ ድምፆም ህህቡ ዝደልዩ እቶም ዝበዝሑ ካብ ሪፓብሊካዊያን ዴሞክራሲያዊን ፓርቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ኣሜሪካን ኢንተርፕራይስ ኢንስቲትዩት ክኢላ ካርሊን ቦውማን ትገልፅ።
ኣብቲ ዝቕፅል ምርጫ ዝሰዓረ ይስዓር እቲ ቀንዲ ፈተና ዝኸውን ክልቲኦም ወገናት ንተኣማንነት ውፅኢት ናይቲ ምርጫ ክቕበሉዎም ኣብ ምርግጋፅ እዩ ይብሉ ናይ ምርጫ ተንተንቲ።