ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በረድን ቀዝሒ ዝናብን ዝሓዘለ ኩነታት ኣየር ንምብራቓዊ ኣመሪካ ከም ዘጥቅዕ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

በረድን ቀዝሒ ዝናብን ዝሓዘለ ኩነታት ኣየር ኣብዚ ዝመፅእ ዘሎ መወዳእታ ሰሙን ንምብራቃዊ ክፍሊ ኣመሪካ ከም ዘጥቅዕ ይግለፅ’ሎ።

እዚ ኩነታት ኣየር ናብ ምብራቃዊ ኣመሪካ ገፁ ይንቀሳቀስ ከም ዘሎ ትንበያ ኩነታት ኣየር ይግለጽ’ምበር ኣብ ኣየኖት ከባቢታት ከም ዘጥቅዕ ንምፍላዩ ገና’ዩ። ይዅን ደኣ እምበር እዚ በረድን ዝሑል ዝናብን ዝሓዘ ኩነታት ኣየር ካብ ምዕራባውን ደቡባዊን ክፍላት ግዝኣታት’ዩ ናብ ምብራቃዊ ክፍሊ ኣመሪካ የምርሕ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዓመተ 2023 ዝወሓደ መጠን በረድ ዝረኣይትሉ ዓመት ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ከም ዝተመዝገብ’ዩ ተገሊፁ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG