ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርክት ዝበሉ ብሎገራት ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ጽቡቕ ምዕባለ’ዃ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዘጋጠመ ናይ ጋዜጠኛታት ማእሰርቲ ግን ብዓሚቕ ኣሻቒሉና’ሎ ይብል ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝወጸ መግለጺ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብነትን ናይ ልምዓትን ድምጽን እያ ዝበለ እቲ መግለጺ ይኹን እምበር ዝተሰርሐ ስራሕቲ ልምዓትን ዝመጸ ቁጠባዊ ዕብየትን ክዕቀብ ዝኽእል ንዴሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንሰብኣዊ መሰላት ብዝውሃብ ክብሪ ዝምስረት እዩ ይብል እቲ መግለጺ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሳቦም ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰሎም ብምጥቓሞም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ኩሎም ካልኦት እሱራትን ክፈትሕን ጸረ ሽብር ሕጉ ድማ ንመዐፈኒ ከም መሳርሒ ካብ ምጥቃም ክዕቀብን ንጽውዕ ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ።