ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝደንትታት ኦባማን ፑቲንን ግጭታት ሶሪያን ዩክሬይንን ንምፍታሕ ይዛተዩ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲንን ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ግጭታት ሶሪያን ዩክሬይንን ዘለዎም ኣፈላላያት ዘሕለፍሉ መድረኽ ነይሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ መደርኦም ንስዓታት ኣብዘካየድዎ ዝርርብ እውን እቲ ኣጀንዳ ዓብላሊ ነይሩ።

ፕሬዝዳንት ኦባማን መዘንኦም ቭላድሚር ፑቲንን ትማሊ ሰኑይ ን90 ደቓይቕ ተዘራሪቦም፤ዳርጋ ብግዲ ክብሃል ዝኽእለ ናይ ኢድ ሰላምታ’ውን ተለዋዊጦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ግጭትን መሪሕነት ባሻር ኣል-ኣሳድን ዝተረሓሓቐ ኣመለኻኽትኦም ኣብ መደረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ድሕሪ ምንጽብራቖም ድሕሪ ስዓታት ነሩ እቲ ዝርርብ ዘካይዱዎ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ መደርኦም መራሒ ሶሪያ ንንጽሃን ህጻውንቲ ብበራሚል ቦምብ ዝጭፍጭፍ ውልቀ-መላኺ እዩ ክብሉ ጸዊዖምዎም።

ኣብ ሶሪያ ንኣሳድ ዘግለለ ፖለቲካዊ ስግግር ክካየድ ሕቡራት መንግስታት ክሓብር ኣለዎ እውን ኢሎም ኦባማ። “ ዩናይትድ ስቴትስ እቲ ግጭት ንምፍታሕ ምስ ሩሲያን ኢራንን ሓዊሱ ምስ ዝኾነት ሃገር ንምስራሕ ቅርብቲ እያ’’ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣስዒቦም ‘’ድሕሪ እዚ ኹሉ ምፍሳስ ደም፣ድሕሪ እዚ ኹሉ ጭፍጨፋ፣መሪሕነት እታ ሃገር ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከምዘይብሉ ግን ክንቕበል ኣለና’’ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ፑቲን ብወገኖም ብዩናይትድ ስቴትስ ዝምራሕ ኣንጻር ጉጅለ ዳዕሽ ንዝግበሩ ጻዕርታት ብምንቃፍ ሩሲያ ንሶሪያን መራሒኣን እትህቦ ወታደራዊ ሓገዝ ምሕያላ ምኽኑይ እዩ ኢሎምዎ።ኣንጻር ሽበራ ፊት ንፊት ምስ ዝገጥሙ ዘለው መንግስቲ ሶሪያን ሓይልታቱን ኣይንተሓባበርን ምባል ዓብዪ ጌጋ ከምዝኾነ ዝተዘረቡ ፑቲን ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ ብሓቂ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ፕሬዝዳንት ኣሳድን ሚሊሽያ ኩርዲን ጥራሕ ምዃኖም ክንፈልጥ ኣለና ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ መደረኦም ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓንቲ ሃገር ክጥሓስ ደው ኢልና ኣይክንርእን ክብሉ ሩሲያ ኣካል ዩክሬይን ንዝነበረት ክሪሚያ ክትውሃድ ምግባራ ኣውጊዞም።

XS
SM
MD
LG