ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ንዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ሓቀኛ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ክትብል ነቒፋ


መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ድምጺ ዘስምዕ ንዝኾነ ንምውቃስ ወይ ንምንእኣስ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸቡ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲን ተቃወምቲ ፓርትታትን ዝተጀመረ ልዝብ’ውን መንግስቶም ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ቅድሚ መዓልታት ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ህዝቢ ኣሜሪካ ንሰብኣዊ መሰላት ዝህቦ ክብደት ዘርእይ’ዩ ኢሎም።

ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻቡ ናይ 200 ዝኾና ሃገራት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መርሚሩ’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያ መሰረት ዝገበረ ብዘይሕጋዊን ብሃውርን ዝፍጸም ማእሰርቲ፡ ዝአተውዎ ዘይፍለጥ ዜጋታት ምክልባትን ንጨኻን ኣተሓሕዛ ምቕላዕን ከምኡ ምግዳብ ነጻነት ፕረስ ምዝራብ ሓዊሱ ካልኦት ዓፈናታት ዘርዚሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ መንግስቲ ኣሜሪካ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢኡ ሎሚ ቅነ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝምልከት ክፍሊ ሚዛናዊ ኣይኮነን ክብል መንግስቲ ኢትዮያ ኣፍሊጡ።

እቲ ጸብጻብ ንድልየት ፖለቲካ ንዘለዎም ኣካላት ዝሃብዎ ሓበሬታ ጥራይ መሰረት ዝገበረ’ዩ፡ ካብ መንግስትን ሓቐኛታትን ዜጋታትን ዝተረኽበ ሓበሬታ የብሉን ክብል’ውን ገሊጹ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ኢትዮጵያ ሓላፊ ርኽብ ህዝቢ ኣቶ መሓመድ ሰይድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ 2016 ዓ.ም ክወጽእ ኸሎ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ብኣግባቡ ዝተገንዘበ ኣይነበረን’ውን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG