ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዘሕለፈቶ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ሃገራዊ ጸጥታ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ


ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዘሕለፈቶ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ሃገራዊ ጸጥታ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዘናወሐቶ ኣፍሊጣ።

ኣብቲ ብሽም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝወጸ መግለጺ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት 17 መስከረም 2021 ምስ ኩነታት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ፡ ንሃገራዊ ጸጥታን ፖሊሲ ወጻእን ኣመሪካ ስግኣት ኮይኑ ስለዝተራእየ ንስልጣን ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ህጹጽነት ብምጥቃም ሃገራዊ ሓደጋ ከም ዝተኣወጀ ብምሕባር፡ ሕጂ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓሳት ንጸጥታን ርግኣትን ኢትዮጵያ ከምኡ`ውን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስግእ ኮይኑ ስለዝቐጸለ፡ እቲ ኣዋጅ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ተወሲኑ`ሎ ይብል። ኣብቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተፈሪሙ ዝተዘርግሐ ንፕረዚደንታዊ ስልጣን መሰረት ዝገበረ መምርሒ፡ ብዓንቀጽ 14006 ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝወጸ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ኣዋጅ ሃገራዊ ጸጥታ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ይቕጽሎ ኣለኹ ዝብል ምዃኑ መግለጺ ዋይት ሃውስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG