ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዑል ሙቐት ኣመሪካ ንነበርቲ የሻቕል


መጠን ሙቐት ምዕራባዊ ወገን ኣመሪካ ኣዝዩ ይንህረሉ ኣብ ዘሎ ሰሙናት፡ ነበርቲ ክፍለ-ሃገር ኣሪዞና ንጽንብል በዓል ናጽነት ንምውዓል ከም ዝተጸገሙን ንደገ ምውጻእ ኣዝዩ ከቢዱ ምህላዉን ሓቢሮም። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ፊኒክስ ኣሪዞና ክሳብ 46.7 ዲግሪ ሰንቲግረድ ወይ ድማ ልዕሊ 115 ዲግሪ ፋራንሃይት ሙቐት ክምዝገብ እንከሎ፡ ነበርቲ ካብቲ ብርቱዕ ዋዒ ንምድሓን ደጋጊሞም ኣብ መሐንበሲ ቦታታት ከዕቅሉ ከም ዝተገደዱ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ብዙሓት ክፋላት ደቡባዊ ኣመሪካ፡ ብቐንዱ ግን ቴክሳስን ኣሪዞናን፡ መጠን ሙቐት ኣዝዩ ወሲኹ ብምህላዉ ሰብ-መዚ ጥዕና መጠንቀቕታ ይህቡ ኣለዉ።

ኣብ ኣመሪካ ዝርአ ዘሎ ብርቱዕ ሙቐት ንኣትላታንቲካዊ ውቅያኖስ ዝሓቍፍ ኰይኑ፡ ብሪጣንያ’ውን ካብ 1884 ንደሓር እቲ ዝበርትዐ ሙቐት ኣመዝጊባ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG