ዋሽንግተን —
ባይደን ንዋዕላ ጉጅለ-20፡ ኣመሪካ ካብ ቻይና ዝሓሸት እምንቲ ሃገር ምዃኑ ንምእማን ከም ዝጥቀመሉ ይግለጽ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ህንዲ ዝካየድ ዋዕላ ጉጅለ-20፡ ባንኪ ዓለምን ማዕከን ገንዘብ ዓለምን ንዘለወን ናይ ምልቃሕ ዓቕሚ፡ ኣመሪካ ብ200 ቢልየን ክተዕብዮ መደብ ከም ዘለዋ ፕረዚደንት ባይደን ከጉልሕ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ`ሎ።
እዚ ድማ ነቲ ናይ ቻይና በልት ኤንድ ሮድ ሰፊሕ ተበግሶ ካልእ ኣመራጺ ኮይኑ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ይእመን። ኣመሪካ እቲ ናይ ቻይና ተበግሶ በልት ኤንድ ሮድ ንወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ቻይና መንገዲ ዝኸፍት`ዩ ዝብል እምነት`ዩ ዘለዋ።
ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብቲ ዋዕላ-20 ንዘይምስታፍ መዲቡ`ሎ። ነታ ሃገር ወኪሉ ዝሳተፍ ቀዳማይ ሚንስተር ሊ፡-ቂያንግ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ'ቲ ኣብ ህንዲ ዝግበር ዋዕላ ናብ ቬትናም ብምቕጻል`ውን ምስ መራሕቲ`ታ ከም ዝራኸብ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።
ቅጥዒ