ዋሽንግተን —
“ ሂላሪ ክሊንተን ሚልዮናት ኪሎ ሜትራት መገሻታት ኣካይዳ፡ ሃንዳሲት ፖሊስ ወጻኢ ባራክ ኦባማ ኾይና፡ ግን ሎሚ ኣመሪካ ጸጥትኣ ጎዲሉ ይርከብ’።
ምኽትል ሂላሪ ዝኾነ ቲም ከይን ብወገኑ፡ “ ዶናልድ ትራምፕ፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንተወነና፡ ዝያዳ ሰላም ዝነግስ`ዩ ዝመስሎ” ኢሉ። ትራምፕ፡ ቀረጽ ኣይከፈለን፡ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ንግዲ`ውን ይሓብእ ኣሎ ይብል ቲም ከይን።
ክልቲኦም ምኽትላት፡ ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ግብረ ሽበራ፡ ጉዳይ ኢሚግረሽንን ካልእ'ውን ተራጺሞም`ዮም።
እንተኮነ ክትዕ ምኽትላት ሕጹያት ኣብ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ብዙሕ ለውጢ ከምዘየምጽእ እዩ ዛጊት ብዘሎ ታሪኽ ዝፍለጥ፡
ምሉእ ትሕዝቶ ምስማዕ ይክኣል።