ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣመሪካ ንቲክቶክ ኣብ ምእጋድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ዋይት ሃውስ ጸዊዑ


ሰነት ኣመሪካ ንቲክቶክ ኣብ ምእጋድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ዋይት ሃውስ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:17 0:00

ሰነት ኣመሪካ ንቲክቶክ ኣብ ምእጋድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ዋይት ሃውስ ጸዊዑ

ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣመሪካ ማለት ሰነት ንማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ኣብ ምእጋድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ዋይት ሃውስ ጸዊዑ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ እቲ ማሕበራዊመራኸቢ ቻይና ክእገድ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዓብላሊ ድምጺ ድሕሪ ምሃቡ`ዩ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ብቻይናዊ ኩባንያ ንዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ብርኩ ናብ ወጻኢ ሃገር ክሸይጥ ወይ ድማ ኣብ ኣመሪካ ክኽልከል ሓደ ንድፊ የሕሊፉ ኣሎ። ዋይት-ሃውስ ምስ ሓሳባት’ቲ ቤት ምኽሪ ዝተሰማምዐ ይመስል።

እቲ ቀንዲ መዘራረቢ ጉዳይ እቲ ቻይናዊ ትካል ናይ ኣመሪካውያን ውልቃዊ ሓበሬታ ብቐጻሊ ይእክብ ኣሎ ብዝብል ሻቕሎት’ዩ።

ቲክቶክ ግን እቲ ንድፊ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝድርት `ዩ ፡እቲ ኣፕ `ውን ጸጥታዊ ሓደጋ ዘለዎ ኣይኮነን ክብል ይማጎት። ሾ ዚ ቸው፡ ዋና ሓላፊ ቲክቶክ `ዩ ከምዚ ይብል፡፡

"ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ዳታኹም ውሑስ ክኸውንን ማሕበራዊ መራኸቢና ካብ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ናጻ ክኸውንን ብዙሕ ሰሪሕና ኢና፡፡"

ቻይና ትማሊ ኣብ ዘሕለፈቶ መግለጺ፡ እቲ ንቲክቶክ ንምእጋድ ዝግበር ዘሎ ፈተነ፡ ናይ ወጻኢ ካምፓንታት ኣብ ኣመሪካ ምዕሩይ ዝኾነ ውድድር ንኸይህልወን ዝገብር`ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ `ላ። ዋንግ ወንብን፡ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና`ዩ፡፡

“ኣመሪካ ኣብ ቲክቶክ ትገብሮ ዘላ ኣተሓሕዛ፡ ንዓለም ዘርብሕ ድዩ ወይስ ንባዕላ ጥራይ ዝብል ነገር፡ ዓለም ብግልጺ ዝርእዮ ዘሎ ሓቂ `ዩ ዝኸውን፡፡"

ንቲክቶክ ንምእጋድ ዝግበር ዘሎ ስግኣት ንምሕዝነት ኣመሪካን ቻይና ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣመሪካውያን ዘእተወ ኮይኑ`ሎ። ከይቲን ቺን ሮትማን ኣብ ማእከል ስትራተጅን ኣህጉራዊ መጽናዕትን ተመራማሪት ክትከውን ከላ እቲ ስጉምቲ ዘይልሙድ `ዩ ትብል፡፡

“ እዚ ኣዝዩ ዘይልሙድ ስጉምቲ`ዩ። ቅድሚ ሎሚ ንከም `ዋወ` ወይ ከኣ `ዚ ቲ ኢ` ዝብሉ ትካላት ቴክኖሎጂ ስጉምቲ ክንወስድ ርኢና ኢና። ንሳቶም ግን ንዓማዊል ኣብ ቅድሚት ዝሰርዑ ኣይኮኑን። እዚ ናይ ቲክቶክ ምእጋድ ዝብል ጉዳይ ግን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ውጥረት ዘስዕብን ንህይወት ብዙሓት ኣመሪካውያን ዝትንክፍን`ዩ።"

መራሒ ኣብዝሓ ሰነት ሻክ ሹመር፡ ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ማለት ሰነት ነቲ ጉዳይ ብኮሚቴ ከም ዝርእዮ ሓቢሩ`ሎ። ብዙሓት ኣባላት ባይቶ`ውን ነቲ ስጉምቲ ምእጋድ ቲክቶክ ደጊፎሞ`ለዉ። ሓደ ካብኦም ሪፓብሊካን ሚት ራምኒ`ዩ፡ ፡“ ኮሚኒስታዊ ፓርቲ ቻይና ብዛዕባ ዜጋታትና ውልቃዊ ዳታ ክህልዎ ፡ ወይ `ውን ንህዝቢ ኣመሪካ ዝመዝነሉ ቅመራ ክህልዎ ኣይደልን`የ።"

ካልኦት ሰነተራት ድማ ስፍሕ ዝበለ ዕላማ ዘለዎ ረቂቕ ሕጊ ክርእዩ ይደልዩ። ደሞክራት ሰነተር ክሪስ መርፊ ሓደ ካብኦም `ዩ። "ኣብ ሓላፍነት እንተዝህልው፡ ንቲክቶክ ንምእጋድ ቀዳምነት ኣይምሃብኩን። ንቆልዑት ኣብ ኦንላይን ዝሕሉ ረቂቕ ክወጽእ ቀዳምነት ምሃብኩ። ቲክቶክ ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ቆልዑት ዝጥቀምሎም ማሕበራዊ ሚድያታት`ውን ሓለዋ የድልዮም`ዩ።"

እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሚንስተር ገንዘብ ዝነበረ ስቲቭ ምኑቺን ድማ ንቲክቶክ ዝዕድጉ ኣውፈርቲ የተኣኻኽብ ከም ዘሎ፡ ትማሊ ሓሙስ ተዛሪቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG