ዋሽንግተን —
ብርፓብሊካውያን ዝዕበለል ተወካሎ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ነቲ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ነዊሕ ሸንኮለል ሸሚሙ ዝጸንሐ ኣከራኻሪ ጉዳይ ባጀት ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣጽዲቑ። ኣብቲ ኵላቶም ኣባላት ደሞክራሲያውያን ዝተቓወሙዎ መስርሕ ምውሃብ ድምጺ፡ እቲ ዝሓለፈ ባጀት ዶባት ኣመሪካ ውሑስ ንምግባሩ ዓቢ ግደ ክህሉዎ ምዃኑ ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን ተዛሪቡ። እቲ ኣፈጉባኤ ኣስዒቡ፡ እዚ ብታሕተዋይ ባይቶ ጸዲቑ ዘሎ ባጀት “ዕድላት ስራሕ ክፈጥርን ንዕብለላ ኣመሪካ ኣብ መዳይ ጸዓት ጸብለላታ ክህብ ምዃኑን” ሓቢሩ'ሎ።
ደሞክራሲያውያን ግን እቲ ሓሊፉ ዘሎ ባጀት “ንሚልዮኖራት ሕድገት ግብሪ ዘኽእልን ካብቶም ድኻታት ወገናት ድማ ምቅሊት ዝወስድን” ክብሉ ይምጉቱ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ንባጀት ኣመልኪቱ ዝሓለፈ እማም ሕጊ ንቕድሚት ዝደፍእ ጽቡቕ ገስጋስ ክብል ገሊጹዎ።
ብተወካሎ ባይቶ ሓሊፉ ዘሎ ባጀት፡ ክጸድቕ ናብ ሰነት ክሰግር’ዩ።
ቅጥዒ