ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኣመሪካ ንደማስቆ የምርሑ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን ተሰሪዙ


ትማሊ ሓሙስ ዝተካየደ ሰልፊ ኣብ ሶርያ
ትማሊ ሓሙስ ዝተካየደ ሰልፊ ኣብ ሶርያ

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብላዕለወይቲ በዓልቲ-መዚ ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነት ባርባራ ሊፍ ዝምርሓ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ሓድሽ መሪሕነት ሶርያ ንምዝርራብን ኩነታት ንምምዛንን ናብ ደማስቆ ተጓዒዙ ኣሎ። እንተዀነ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ ተባሂሉ ዝተጸውዐ እቲ ንሎሚ ዓርቢ ተመዲቡ ዝነበረ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሰሪዙ ኣሎ።

ኣብ 2012 ርክብ ምስ ሶርያ ብወግዒ ዝቖረጸ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣልኣሳድ ሰብ-መዚ ናብ ደማስቆስ ክጉዓዙ እዚ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።

ሃገራት ምዕራብ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ ጥንቁቕ ግን ከኣ ዘገምታዊ ርክብ ይጅምሩ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ሓሙስን ሎሚ ዓርቢን ኣሽሓት ሶርያውያን፡ ንምውዳቕ ስርዓት ኣልኣሰድ ዝጽንብልን ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ድማ ንብዙሕነት ዘኽብር ስርዓተ ሕጊ ክሰጋገሩ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ሓያሎ ሶርያውያንን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲን ኣቐዲሙ ምስ ጉጅለ ኣል-ቓዒዳ ርክብ ዝነበሮ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ብዘገምታ ናብ እስላምዊ ኣኽራርነት ከይሰጋገር ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG