ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ጆን ኬሪ ናይ ጅቡቲ ጉዕዞን ጉዳይ የመንን


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ቅልውላው የመን ቀንዲ መረዘራርቢ ዛዕባ ክኸውን እዩ ኢሎም።ኣብ ጁቡቲ ዑደት ዝገበሩ ኬሪ ምስ ናይ ጁቡቲ ፕሬዝዳንት ዖማር ጉሌድን ካልኦት ሰበስልጣንን ተዘራሪቦም ኣለው።

ኬሪ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ሪያድ ምስኣተው እቲ ኵናት ጠጠው ዝብለሉ ክንዘራረበሉ ኢና ኢሎም።

ንሶም ነዚ ዝገለፁ ሎማዕንቲ ረቡዕ ምስ ፕሬዝዳንት እስማዒል ዖማር ጉሌህን ካልኦት ሰበስልጣንን ምስ ተራኸቡ እዩ።ዘይምርግጋእ ሱማሊያን የመንን ካብ ዝተዘራረቡሎም ዛዕባታት ገሊኦም እዮም።

ጁቡቲ ካብ የመን ዝሃደሙ ኣሜሪካዊያንን ካልኦት ወፃእተኛታት ኣብ ምትእንጋድ ቁልፊ ጊደ ትፃወት ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ግጭት የመን ይዋስኡ ዘለው ወገናት ስለ ሰብኣዊ ሓገዝ ክብሉ እቲ ግጭት ብግዚያዊነት ጠጠው ንምባል ዝተዳለው ምዃኖም ምልክታት ኣለው ኢሎም ኣለው።

ጆን ኬሪ ምስ ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርን ጁቡቲ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ሓደ መስጊድ ዑደት ብምፍፃም ምስ መናእሰይ ከምዝተዘራረቡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG