ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራፅ መሰለን ዝተረጋገፀሉ መበል 100 ዓመት ተኽብር ኣላ


ኣሜሪካ ደቂ ኣንስትዮ ድምፂ ናይ ምሃብ መሰለን ዝተሓለወሉ መበል ሓደ ምእቲ ዓመት ተኽብር ኣላ።እቲ ምምሕያስ ናብ ኮንግረስ ዝቐረበ ኣብ 1878 ክኸውን ከሎ ዝፀደቐ ግን ድሕሪ 40 ዓመታት ነይሩ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመነን መጀመሪያ መበል 20 ክፍለዘመንን ተወዲበን፣ጥርዓን ወይ ብፒትሽን ብምቕራብን ፈቖዶ እናኸዳ ድምፀን ብምስማዕንንማዕርነትን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ብምቅላስን ናይ ምምራፅ መሰለን ክረጋግፀለን ብትግሃት ወፍሪ ኣካይደን።

ቅድሚ ሓደ ምእቲ ዓመት ኣብዚ ወርሒ እዚ ነይሩ ድሕሪ ነዊሕ ቓልሲ ብመበል 19 ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ኣቢሉ ደቂ ኣንስትዮ ክመርፃን ክምረፃን መሰለን ዝተረጋገፀለን።

ኣብ 1878 ኣ\ፈ ኣብ ኮንግረስ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ምትእትታው ጀሚሩ ብኮንግረስ ክሓልፍን ብሰለስተ ትርብዒት ክፍለ ግዝኣታት ክፀድቕን ልዕሊ 40 ዓመታት ወሲድሉ።

ናይ ምምራፅ ቓልሲ ዝተጀመረ ኣብ Seneca Falls, NewYork ኣብ 1848 ብዝተኻየደ ፈላማይኮንፈረንስ መሰል ደቂ ኣንስትዮ እዩ።ኣብቲ ዋዕላ ባርነትክውገድ ዝተቓለሰ ውሩይ ተቓሳላስይፍሬድሪክ ዳግላስ ሓዊሱ 300 ዝግመቱ ሰባት ተሳቲፎም።ፀለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ኮንፈረንስኣይተሳተፋን።

እቲ ዋዕላ ዝተኻየደሉ ወስሊያን መቴዲስት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ኣካል ታሪኻዊ ፓርክ ሃገራዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ እዩ።

ቀንዲ ደራሲት ዲክሌረሽን ኦፍ ሰንቲመንትስ ብዝብል ዝፍለጥን ምምራፅ ሓዊሱ ምስ ደቂተባዕትዮ ማዕርነት ክረጋገፅ ዝፅውዕን ሰነድ Elizabeth Cady Stanton ኣብቲ ኮንፈረንስ ተሳታፊትነይራ።

ላዕለዋይ ተቖፃፃሪት ናይቲ ፓርክ ኣንድሪያ ዲኮተር Declaration of Sentiments ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ Declaration of Independence ከም ኣብነት ዝሰዓበ ሰነድ እዩትብል። ኣብ Declaration of Independence ‘’ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ፍጡራት እዮም’’ ዝብሉ ቃላት ኣብ Declaration of Sentiments ‘’ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረፍ ፍጡራት እዮም’’ብዝብል ተቐይሩ።

ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ደቂ ተባዕቲዮ ድምፂ ናይ ምሃብ መሰሎም ዝተረጋግፀ ብመበል 15 ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣቢሉ ኣብ 1870 ኣ\ፈ እዩ ፀዲቑ ትብል ዲኮተር።ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራፅ መሰለን ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየድኦ ዝተሓላለኸ ቓልሲ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ምጥርጥራትን ዘርኣዊነትን ነይሩ ምኽኒያቱ ፀዓዱ ኣድመፅቲ ንፀለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝፈለዩወን ትብል ዲኮተር።

‘’ኣብ ጉዕዞ ክልተ ክፍለ ዘመናት ፀለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ባዕልተን ውዳበታት ጎኒ ንጎኒ ዝጉዓዙ ምንቅስቓሳት መስሪተን እየ’’ ትብል ኣብ ጆንስ ሃፒከን ዩኒቨርስቲ ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ዝኾነት ማርታ ጆንስ።ማርታ ‘’Vanguard: How Black Women Broke Barriers, Won The Vote and Insisted On Equality for All’’ ዘርእስቱ መፅሓፍ ዝደረሰት እያ።እዞም ምንቅስቓሳትን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝካየዱ ኮንፈረንሳት፣ ውዳበታት ስቪላዊ መሰላትን ፀረ-ባርነት ምንቅስቓሳትን’’ ዝሓወሰ እዩ ትብል ጆንስ።

ኣብ መጀምሪያ 20 ክፍለ ዘመን ታራ ደቂ ኣንስትዮ እናተወለወጠ መፂኡ፤ሓደስቲ መንእሰይ ወለዶ ቃልሰን ብወሳንነት ቀፂሉ።

ሽልማት ዝተውዓወታ ደረስቲ፣ገጠምትን ስነ ጥበባዊያንን ኣብቲ ቃልሲ ከምዝተፀንበራ ደራሲትኤለን ዱቦይስ ትገልፅ።

ኣብ 1916 ኣ\ፈ እዘን ንናይ ምምራፅ መሰላት ዝቃለሳ ተቓውምአን ብምሕያል ናይ ጥምየት ኣድማ ብምፅዋዕ፣ብሰልፍታት ኣቢለን ናይ ተቓውሞ ድምፀን ኣስሚዐን።ከምኡ ብምግባረን ተንከላቢተንን ተባጭዩለንን እዩ።

‘’ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድማፅ መሰለን ክሕለወለን ደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ዝተኣከብሉ፣ደቂ ተባዕቲዮ ናብ ዝሰርሕሉ ፋብሪካታት ብምኻድ ኣብ እዋን ምሳሕ ስዓት ድምፀን የስምዓ ነይረን፤ብዙሕ ግዜ ድማይሰምዑወን ነይሮም ትብል ዱቦይስ።

ምንቅስቓሰን ብምሕያል ፕሬዝዳንት ውድሮው ዊልሰን ናብ ስልጣን ብምምፅኦምን መርገፂኦም ብምቓያሮምን ኣብ 1918 ነቲ ሕገ መንግስቲ ብምምሕያሽ ድሕሪ ክልተ ዓመት ፀዲቑ።

ድሕሪ ሓደ ክፍለ ዘመን ሎሚ እውን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣድሉኣዊ ናይ መረፅቲ መፈልዪ መንነትንናይ ዜግነት መረጋገፂ ደረታትን፣ፀዓዱ ዘይኮኑ ማሕበረሰባት ኣብ ዝነብሩሎም ኣድመፅቲ ዘድምፅሉ ስዓታት ብምሕፃር ወይ ብምቕናስን ድምፂ ናይ ምሃብ መሰሎም ብምምንጣልን ሓዊሱ በደላት ይፍፀሙ ኣለው ይብል Leagueof Women Voters ሊግ ኣድመፅቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተብሃለ ውዳበ።

XS
SM
MD
LG