ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን(ዩኔስኮ) ወጺኣ


ኣሜሪካ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፡ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ምውጽኣ ኣፍሊጣ። ኣሜሪካ ነዚ ዘፍለጠት እቲ ትካል “ጸረ እስራኤል” ኣድልዎ ይገብር እዩ ብዝብል ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሂዘር ኑረት “ እቲ ውሳነ ብቀሊል ዝረአ ኣይኮነን። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ትካል ብዝጸንሓ ጥረጣረን ለውጢ የድልይ ምኳኑ ክትገልጽ ዝጸንሓት ምኳና ብምግላጽ እንተኾነ ኣድልዎ ጸረ እስራኤል ክቅጽል ጸኒሑ’ዩ” ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ኣሜሪካ ምስቲ ትካል ዘለዋ ርክብ ብዘይ ኣባልነት ከምትቕጽል’ውን ኣፍሊጠን።

እዚ ውሳኔ ምውጻእ ኣሜሪካ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዩኔስኮ ካብ ታሕሳስ 31,2018 ዓ.ም. ተግባርዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣሜሪካ ካብ ዩኔስኮ ምውጽኣ ሰዓታት ድሒሩ እስራኤል ካብቲ ናይ ሕ/ሃ ትካል ከምትወጽእ ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ሃገሩ ካብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ከምትወጽእ ወግዓዊ ደብዳበ ከቐርብ ኣዚዙ’ሎ።

ዩኔስኮ ብወገኑ በቲ ናይ ኣሜሪካ ውሳኔ ከምዘሕዘኑ ሓቢሩ’ሎ።

ዳይሬክተር እቲ ትካል ኢሪና ቦካቮ ብዛዕባ ውሳኔ ምውጻእ ኣሜሪካ ካብ ዩኔስኮ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዚ ኢለን።

“ ከም ናተይ እምነት እዚ ኩሉ ዓመታት ብፍላይ ድማ እዘን ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ ሓያል ሽርክነት ናይ ሓሶት እዩ ኔሩ ማለት እዩ። እዚ ጉዳይ ንናይ ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲ ኣሜሪካ ብፍላይ ብጠቕላላ ድማ ንፖሊሲ እታ ሃገር አገዳሲ እዩ ዝብል እምነት እዩ ኔሩኒ።። ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ውሳኔ ዝሕብር ወግዓዊ ደብዳበ ካብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ምቕባለይ ዝገልጽ ምስ ዓሙቕ ሓዘን እዩ” ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ኣሜሪካ ከም ተዓዛቢት ኣብ ጉዳይ እቲ ትካል ተሳትፎኣ ክትቕጽል ፡ ከም ሓንቲ ካብተን መስረቲ እቲ ትካል ብምኳና ናብ ኣባልነት ናይ ምምላስ ዕድል ክወሃብ’ውን ጸዊዓን።

ናብ ኣኼባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘምርሑ ዝነበሩ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ግብረ መልሲ ሃገሩ ካብ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ዝወሃብ ምኳኑ ድሕሪ ምግላጽ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ዓለም ዝአተወቶ ቃል ክተተግብር ኣለዋ ኢሎም።

ኣቐዲማ ኣሜሪካ እቲ ትካል ንፍልስጤም ምሉእ ናይ አባልነት መሰል ብምሃቡ ነቲ ትካል ትህቦ ዝነበረ ሓገዝ ምስራዛ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG