ስምምዕ ፓሪስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምምካት ናብ ሰማይ ዝበንን መርዛም ጋዝ ንምንካይ ኣስታት 200 ሃገራት ዝፈረማሉ ወሳኒ ስምምዕ እዩ ።
ምምሕዳሮም እቲ ስምምዕ ክፀድቕ ዝሰርሑ ናይ ቀደም ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ነቲ ውሳነ ብቕልጡፍ ኮኒኖምዎ ኣለው። ንሶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ “ንስምምዕ ፓሪስ ዘኽብራ ሃገራት ተረባሕቲን ስራሕን ዝፍጠሩ ኢንዱትሪታትን እየን’’ኢሎም።
ናይ ፈረንሳይ ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ሓዊሱ ቀንዲ መራሕቲ ዓለም ንትራምፕ ይነቕፉዎም ኣለው።ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ትካል ዓለምለኸ ድሕነት ንምሕላው ንዝግበሮ ፃዕሪ ‘ኣዚዩ ዘጉሂ’ እዩ ኢሉዎ ኣሎ ።
ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ “ስምምዕ ፓሪስ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብኹለን ሃገራት ዓለም እዩ ፀዲቑ።ምኽንያቱ ክኣ ለውጢ ኩነታት ኣየር ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ስለዝተረድኣ እዩ።”
ፕረዝደንት ትራምፕ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ኣቐዲመን ዝተርድኣ ናይ ጀርመን መራሒት ኣንጌላ መርኬል ንስምምዕ ፓሪስ ዘለወን ደገፍ መሊሰን ብምርግጋፅ መራሕቲ ዓለም እውን ደገፎም ከቕፅሉ ኣተባቢዐን።
እቲ ምውፃእ ኣብ ኣፍሪቃ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘስዕብ ኣብ ናይታ ኣህጉር ከባቢያዊ ሓለዋ ዝንቀሳቐሱ ገሊፆም ኣለው።
“ዘ ዎርልድ ዋልይልድ ላይፍ” ኣብ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ትካል ዝሰርሕ ሳሊየም ፋቂር ኣሜሪካ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኩነታት ኣየር ዘውሕስ ብልሓታትን ቴክኖሎጂታትን ከተኣታትዋ ንምሕጋዝ ክተወፍዮ ዝግብኣ ኣስታት 2 ቢሊዮን ዶላር ክትሕዞ ትኽእል እያ ክብሉ ስኽፍትኦም ገሊፆም ኣለው።
ንሶም ብተወሳኺ ኣፍሪቃዊያን ናብርኦም ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ምስ ምዃኑ ንብርቱዕ ዋዒን ዝወሓደ ዝናብን ዝቃልዑ ንሳቶም እዮም ይብል ።
መንግስታት ኣፍሪቃ እውን በቲ ውሳነ ዘይምሕጓሶም ይገልፁ ኣለው።
ናይ ጋና ፕረዝደንት ጆን ድራምኒ ማሃማ ‘ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ወሳኒ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ መሪሕነታ ብፍቓዳ ገዲፋ’ላ’ክብሉ ብቲዊተር ፅሒፎም ኣለው።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣሜሪካ ብብርቱዕ ነቒፉዋ’ሎ።
ኣሜሪካ ኣሰር ኒካራጉዋን ሶሪያ ብምስዓብ ኣካል ጉጅለ ስምምዕ ፓሪስ ዘይኮና ሃገራት ኮይና ኣላ።