ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ መብዛሕቲኦም ሓገዝ ፕሮግራማት ፀጥታ ከምዘይቕፅል ኣፍሊጣ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ዘለው ተግባራት ምስ ምፅናት ዘርኢ ኣተሓሒዞም ምስ ገለፁዎ ድሕሪ ማዕልታት ዋሽንግተን ንመብዛሕቲኦም ዘፈር ድሕነት ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ንምባል ምውሳኑ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዓለምለኸ ጥዕናን ውሕስነት ምግብን ዝተኣሳሰሩ ሓዊሱ ዝተወሰኑ ዓይነታት ረድኤት ንምቕፃል እንተወሰነት እውን ካልኦት ዝወሃቡ ሓገዛትን መብዛሒቲኦም ኣብ ዘፈር ፀጥታ ዘለው ፕሮግራማት ዘሎ ደውታ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

‘’ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃዋህው ኣብ ግምት ብምእታው ጠጠው ኢሉ ዝነበረ መብዛሒኦም ኣብ ዘፈር ፀጥታ ዘተኮረ ናይ ሓገዝ ፖግራማት ንዘይምልዓል ወሲና ኣለና’’ ኢሎም ኣብ ዝ ሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ።

ብሊንከን ዝሓለፈ ረቡዕ ንኮንግረ ኣብ ዝ ሃቡዎ ቃለ ምስክርነት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ተፃብኦ ጠጠው ክተብሎ ፀዊዖም ኣለው።

ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ተመዛቢሎም፤ኣብቲ ክልል ሕፀረት ምግቢ፣ማይን መድሓኒትን ኣጋጢሙ ኣሎ።

ብሊንከን ዝሓለፈ ሓሙስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዓለምለኸ ምርመራ ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒ ጉተረዝ ምዝርራቦም ምንስትሪ ጉድያት ወፃኢ ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ኣብቲ ዝርርቦም ‘’ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፣ግፍዕታት ከብቅዕን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋንን ዝሕግዙ ዞባውን ዓለምለኻዊን ፃዕርታት ክሕይል’’ ብሊንከ ፀዊዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቡራት መንግስታት ወታደራት ኤርትራ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ስርሒት የካይዱ ከምዘለውን ንቶም ግፍዕታት ሓላፍነት ዝወስዱ እዞም ወታደራት ምዃኖምን ፀብፃባት ይሕብሩ ይብል።

ምንስቴር ወፃኢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኢትዮጵያ ዝወሃቡ ገለ ረድኤታት ምስ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሴ ከምዘይተኣሳሰሩ ገሊፁ ነይሩ።ግን ረድኤት ዳግም ንምቕፃል ብብርክት ዝበሉ ምኽኒያታት ከምዝግምግም ሓቢሩ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG