ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብራቓዊን ማእከላይን ወገናት ኣመሪካ ብኸቢድ ውርጪ ይህረም፡ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ካሊፎርኒያ


ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ሓያል ውርጪ፡ ንምብራቓዊን ማእከላይን ወገናት ኣመሪካ ብኸቢድ ሃሪሙ፡ ሎሚ ረቡዕ ንሓያሎ ኣገልግሎታት ኣተዓናቒፉ ኣሎ። ብሰንኩ ኣብ ክፍለ-ሃገር ቨርጅንያ ንኣስታት 12-ሽሕ ነበርቲ ብዘይ ሓይሊ መብራህቲ ኣትሪፉ ኣምስዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ደቡባዊ ወገን ካሊፎርኒያ ሎሚ ረቡዕ ኣማስያኡ ከቢድ ዝናብ ክወቅዕ ትንበያ ኩነታት ኣየር የመልክት።

ሰሉስ ብዝወቕዐ ውርጪ ሎሚ ረቡዕ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕጾ እንከሎ፡ ኣብ ክፍለ-ሃገር ቨርጅንያ ጥራይ ብሰሉስ ኣስታት 700 ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ኣኸቲሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG