ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ቪዛ ንምስላጥ ፃዕርታት እናገበርና ኢና ይብሉ


ኣሜሪካ በቲ ሕዚ ዘሎ ኣወሃህባ ቪዛ ኣብ ናይ ወፃኢ በፃሕትን ኢንቨስተራትን ክትተኣማመን የብላን

ብትምህርቲ፡ብንግዲ ወይ’ውን ብቱሪዝም ምኽንያት ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ንምእታው ዝፍትን ዝኾነ ይኹን ሰብ ቪዛ ንምርካብ ናብ ኤምባሲ ወይ’ውን ቆንሱላ ምምልላስ ሓዊሱ ሰሙናት ወይ ድማ ኣዋርሕ ከምዝወስደሉ ክርዳእ ኣለዎ።ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣወሃህባ ቪዛን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምምሕያሽ ዘድልዮም ነገራት ከምዘለው ንርዳእ ኢና፡ንምምሕያሽ እውን ፃዕርታት ንገብር ኣለና ይብሉ።

ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብዝደኸመሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ይብላ ናይ ሚኒሶታ ወኪል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝኾና ሰኔተር ኣሚ ክሎባቻር ኣሜሪካ በቲ ሕዚ ዘሎ ኣወሃህባ ቪዛ ኣብ ናይ ወፃኢ በፃሕትን ኢንቨስተራትን ክትተኣማመን ከምዘይብላ ይዛረባ።

‘’ኣብ ሃገርና ምብፃሕ ዝፍፅም ሓደ ሰብ ብማእኸላይ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ይሕንሽሽ።’’ዝበላ እተን ሰኔተር ኣብ 2009 ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ገለ 900 ሽሕ ናይ ኣሜሪካ ስራሕ ብምድጋፍ 23 ቢሊዮን ዶላር ብደመዎዝ ንኣሜሪካዊያን ሰራሕተኛታት ኸፊሎም እዮም ይብላ።

ክሎባቻር ኣብ ሰኔት ንኡስ ኮምቴ ንግዲ ኣዶ መንበር ተወዳዳራይነት፡ፈጠራን ምስፍሕፋሕ ሰደድን እየን።ንሰን ከምዝበልኦ ካብ 2000 ክሳብ 2009 ኣ/ፈ ኣብዘሎ እዋን ኣሜሪካ ኣብ ናይ ቱሪዝም ዘለዋ ቦታ ዳርጋ ብሲሶ ነኪዩ እዩ።እዚ ድማ እታ ሃገር ክትረኽቦ ዝነበራ ኣማእቲ ቢሊዮናት ዶላር ትርፍን ኣማእቲ ኣሽሓት ስራሕትን ክትስእን ገይሩዋ ይብላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብዙሓት በፃሕቲ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ንኽኣትው ዘተባብዕ Travel Promotion Act ዝብል ሕጊ ኮይኑ ንኽፀድቕ ብፊርምኦም ኣረጋጊፆም እዮም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንምዝታይ ኣብ ካፒታል ሂል ኣብዝተፀውዐ ኣኼባ ክሎባቻር ከምዝተዛረብኦ እቲ ተበግሶ ግብራዊ ዝኸውን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣወሃህባ ቪዛ እንተተመሓይሹ ጥራሕ እዩ ይብላ።

ኣብ ቀረባ ብመሰረት ዝተኻየደ ሓደ መፅናዕቲ 73 ሚእታዊ ኣብቲ መፅናዕቲ መልሲ ዝሃቡ ሰባት ቪዛ ንምርካብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝወስደሎም ምዃኑ ኣቐዲሞም እንተዝፈልጡ ነይሮም ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዑደት ከምዘይፍፅሙ ኣረጋጊፆም ኣለው ይብላ እተን ሰኔተር ሚኒሶታ።

ሰበ ሰልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኡስ ኮምቴ ቐሪቦም ኣብዝሃብዎ ቃል ኣወሃህባ ቪዛ ንምስላጥ ፃዕርታት ይገብሩ ከምዘልውን ቑፅሪ ሰራሕተኛታት ቖንሱላታት እውን እናጠናኸሩ ከምዝኾኑን ተዛሪቦም ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቪዛ ዘየድልዮም ዝተፈላልዩ ዓይነታት ጉዕዞ ኣብዘትርፍ ናይ ቪዛ ፕሮግራም ዝሳተፋ ቁፅሪ ሃገራት እውን እናውሰኸ ከምዝኾነን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላሳ ሃገራት ከምዝበፅሓን እቶም ሰበስልጣን ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምኽትል ምንስቴር ኣገልግሎት ቪዛ ዴቪድ ዳንሁ እዞም ፃዕርታት ናብ ዩንያትድ ስቴትስ ክኣትዉ ናይዝደልዩ ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ካብ ምንካይ ከምዘትረፈ ይገልፁ።

ዳንሁ ኣብ 2010 60 ሚሊዮን ዓለምለኸ በፃሕቲ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዝኣተው’ውን ካብ 2006 ብ17 ሚእታዊ ዕብየት ከምዘርአየን ይገልፁ።

በፃሕቲ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ድሕሪ ምእታዎም ምድንጛያት ንምውጋድ ናይ ቀደም ናይ ቡሽ ምምሕዳር Model Ports of Entry ዝተብሃለ ናይ መሳለጢ ፕሮግራም ኣጣይሹ።ብመሰረት እቲ ፕሮግራም ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ግምሩክን ሓለዋ ዶብን ናብቶም ስራሕቲ ኣዐሪዩ ዝበዝሖም ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ተመዲቦም ኣለው።መፈተሺ ከባቢታት ሰሓብቲ ንክኾኑ’ው ተሓዲሶም እዮም።ናይ በረራ ምትእስሳር ንዘለዎም በፃሕቲ’ውን ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሳለጢ ቦታታ ተኸፊቶምሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG