ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ነቶም ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ካብ ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ይስደዱ ንዘለዉ ሰላማዊያን ሰባት ሓለዋ ክረኽቡን መሰረታዊ ድልየታቶም ክማላእን ደጊማ ትፅውዕ።
ሓደ ሴናተር ኣሜሪካ ብውልቆም ኣብቲ ዞባ ክሰፍሕ ዝኽእል ግጭት ብምስጋእ ኣንፃር እቲ ኣብ ኢራንን ሊባኖስን መሰረቱ ዝገበረ ሚሊሻ ሂዝቦላህ ከቢድ መጠንቀቕታ ክህቡ ምኽንያት ኮይኑዎም ኣሎ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድሕሪ እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ብምልሻታት ሓማስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንሓማስ ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ ቆሪፆም እዮም። ከምኡ’ውን እስራኤል መጥቃዕታ ናብቲ ከባቢ ቅድሚ ምሕያላ ሰላማዊያን ፍስጤማዊያን ካብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ክግዕዙ ደጊሞም ፀዊዖም።
ቅጥዒ