ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሞርጋን ስቴት ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፖሊስ ይምርምር ኣሎ


ዩኒቨርስቲ ሞርጋን ስቴት
ዩኒቨርስቲ ሞርጋን ስቴት

ትማሊ ሰሉስ 3 ጥቅምቲ 2023 ምሸት ኣብ ዩኒቨርስቲ ሞርጋን ስቴት ባልቲሞር ዘጋጠመ ሓሙሽተ ተመሃሮ ዘቝሰለ መጥቃዕቲ ፈደራል ፖሊስ ይምርምሮ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ሓሙሽተ በቲ ተዅሲ ዝተሃርሙ ተመሃሮ ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ድማ እቲ ዩኒቨርስቲ ሎሚ ረቡዕ ተዓጽዩ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ተመሃሮ ንጽንብል ናይቲ ዩኒቨርስቲ ንምስታፍ ይቀራረቡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ ኣጋጢሙ። ፖሊስ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዓጽዩ ንሰዓታት ዝኸደ ፈተሻ እኳ እንተ ኣካየደ፡ መንነት ፈጻሚ ግን ዛጊት ኣየነጸረን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር'ውን ኣይወዓለን።

ኣብ 1867 ፈለማ ብሃይማኖታዊ ኮለጅ ዝጀመረ ሞርጋን ስቴት ዩኒቨርስቲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ተመሃሮ ዝሓዘ'ዩ። እቲ ዩኒቨርስቲ ንድንፋዐ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዓሊሙ ዝሰርሕ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG