ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኡጋንዳ ዝተልኣኹ ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብውግእ ኣይሳተፉን ተባሂሉ


ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝፀንሐ ዓፈናን ግፍዕን ንኸብቅዕ ወታደራዊ ምኽሪ ክህቡ እዮም

ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ኡጋንዳ ዝተልኣኹ ኣንፃር ሰራዊት መኸተ ጎይታ ዝተባህለ ዓማፂ ኡጋንዳ/LRA/ ይዋግኡ ንዘለዉ ሓይልታት እታ ሃገር ንምሕጋዝ እምበር ኣብ ውግእ ንምስታፍ ኣይኮነን ክብሉ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾኑ ጆኒ ካርሰን ገሊፆም።LRA ኣዝዩ ዝተመናመነ’ዃ እንተኾነ ሕዚ’ውን ንኡጋንዳን ንሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ማእኸላይ ኣፍሪካን ስግኣት ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ካርሰን ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሓደ ምእቲ ዝኾኑ ወታደራት ንዓማፂ LRA ኣብ ምሕምሻሽ ንኽሕግዙ ናብ ኡጋንዳ ንክልኣኹ ምውሳኖም ዩናይትድ ስቴትስ ዝተሓብአ ውጥን ኣለዋ ዝብል ግምት ኣኸቲሉ’ሎ ኢሎም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዕላማ ሰብኣዊ ከምዝኾነን እቲ ብጆሴፍ ኮኒ ብዝምራሕ LRA ን25 ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ዓፈናን ግፍዕን ንመወዳእታ ግዜ ንኸብቅዕን እዩ ኢሎም ካርሰን።

ዋሽንግተን ኣብ ዝመደብሩ ናይ ሰላም ኢንስቲቱት ኣብዝተኻየደ ናይ ፖሊሲ ሴሚናር ተረኺቦም ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ድሮ ኣብቶም ናይ LRA ጠንካራ ትሕዝቶታት ዝኾኑ ከባቢታት ከምዝኣተው ካርሰን ሓቢሮም።እቶም ወታደራት ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ግጭት ንኸብቅዕ ምእንታ በቲ ጉጀለ ንዝተሃሰያ ኣርባዕተ ሃገራት ወታደራዊ ምኽሪ ከምዝህቡ ወሲኾም ገሊፆም።

ናብቲ ቦታ ወታደራት ዝለኣኽና ብ LRA ይፍፀም ዘሎ ህውከት ጠጠው ንኽብልን ጆሴፍ ኮኒ ናብ ፍትሒ ንምቕራብን ዝዓለመ እዩ ክብሉ ካርሰን ተዛሪቦም።

በዝሒ ቀንዲ ተዋጋእቲ LRA ወታደራዊ ስርሒት ኡጋንዳ ኣብ ቀረባ ዓመታት ስለዝበርትዐ ካብ 150 ክሳብ 200 ከምዝበፅሕ ካርሰን ሓቢሮም።እንተኾነ ግን እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ካብዝበፅሖ ሃሰያ ስለዝሓወየ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣማኸርቲ ምህላዎም ብወሳንነት ከምዘጥፍኦ ተስፍኦም ገሊፆም።

ንሶም ከምዚ ኢሎም ነይሮም።’’ብመራኸቢ ብዙሃን ዝተውሃቡ ግምታት ከይኮነስ እቶም ዝተልኣኹ ወታደራት ኣብ ልዕሊ LRA ጥራሕ ዘተኩሩ’ዩ።ካልኣይ ዝተዓጠቑ ወታደራት ኢና ንልእኽ ዘለና።ዝተዓጠቑዎም ኣፅዋራት ዝጥቀሙሎም መጥቓዕቲ እንድሕር ተፈፂሙዎም ንዓርሶም ንምክልኻል ጥራሕ እዩ።ኣብዚ ስርሒት እዚ ሓይልታት ዩናይትድ ስቴትስ ንናይ ኡጋንዳ ወታደራት ንምሓግዝ እዮም ዝዋፈሩ፡ንምውጋእ ኣይኮነን።’’

ካርሰን ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ናይ ኣፍሪካ ዞባታት ግጭት ዝህብዎ ሓገዝ ነባሪ ከይኮነስ ብብእዋኑ ዝግምገም እዩ ኢሎም ጆኒ ካርሰን።

XS
SM
MD
LG