ዋሽንግተን —
ንሰኑይ 20 ጥሪ ተመዲቡ ዘሎ ቃለ-ማሕላ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብታ መዓልቲ ኣዝዩ ትሕቱ ቍሪ ክወቅዕ ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ናብ ውሽጢ ገዛ ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ። ሮይተርስ ንመደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ሰኑይ ክወርድ ዝኽእል ቀዝሒ ሓደገኛ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ከም ዝተሓደስ ሓቢሩ።
ስለዚ ከኣ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክንዲ በቲ ዝተለምደ ኣገባብ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ካፒቶል ክፍጽሞ’ዩ። ድሒሩ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መደባት፡ ንምሩጽ ፕረዚድነት ትራምፕን ምኽትሉ ጀይዲ ቫንስን ኣብ ውሽጢ ገዛ ስነ-ስርዓት ቃለ-ማሕላ ንምፍጻሞም ምቅርራብ ይግበር ኣሎ።
እንተዀነ ገለ ካብቲ ጽንብላት ኣብ ቀረባ ስታድዮም ክግበር ከም ዝኽእል እቲ ዜና ይውስኽ።
ቅጥዒ