ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ሩስያን ሕ/ሃ ኣብ ምፍታሕ ጉዳይ ሶርያ ንዘካይዶ ጻዕርታት ክተሓባበራ ተሰማሚዐን


ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዝደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ነቲ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ዝጸንሓ ኩናት ሓድሕድ ከብቕዕ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ጻዕርታት ክተሓባበሩ ተሰማሚዖም።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ “ ኣብ ኣገዳስነት ሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ማእከላይ ኤስያን ከምኡ’ውን ኣብ ኣብ ቃልሲ ጸረ ግብረ ሽበራዊያን ጉጅለታት ዳዒሽ፡ ኣል ቃዒዳን ጣሊባንን ካልኦት ጉጅለታት ዝያዳ ንምትሕብባር ተሰማሚዖም” ይብል።

ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ናይ ሩስያ መዘነኦም ብቴሌፎን ዝተራኸቡ ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ እቲ ኣስታት 400,000 ሰባት ዝቐተለ ኩናት ሓድሕድ ሶርያ ምስ ፕረዝደንት እታ ሃገር ባሻር ኣል ዓሳድ ድሕሪ ምዝርራቦም ሓደ መዓልቲ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤተ መንግስቲ ሩስያ ክረምሊን ሩስያ፡ ንመራሒ ሶርያ ባሽር ኣልዓሳድ ምዕዳሙ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ብተወሳኺ ፕረዝደንት ፑቲን ሎሚ ረቡዕ ምስ ፕረዝደንት ቱርኪ ረዚፕ ጠይብ ኤርዶጋንን ፕረዝደንት ኢራን ሓሰን ሩሃኒ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ዝርርብ ሰላም ኣብ ጉዳይ ሶርያ ሕዳር 28,2017 ኣብ ጀነቫ ከምዝኻየድ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG