ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ አጠንቒቁ


ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ሕጂ እውን ህውከት ቀፂሉ፤ሞትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምእሳር ካልኦት ብኣሽሓት ዝቁፀሩን መጉዳእትን ዝለዓለ ዕንወት ንብረትን ይወርድ ኣብዘለሉ ኩነታት ዜጋታት ኣድላይ ክሳብ ዘይኮነ ናብ ኢትዮጵያ ከይኸዱ ኣጠንቂቑ።

ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ገለ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘለው ሰባት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ኩነታት ምምላሳ ቅር ዝበሎም ኣለው ኢሎም።

ተቓወምቲ ግን ፀገማት ሕጂ’ውን ይቕጽሉ ኣለው፡ ኩነታት እንተተረጋጊኡ ድማ ንምንታይ እቲ ኣዋጅ ዘይልዓል ይብሉ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ አጠንቒቁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:30 0:00

XS
SM
MD
LG