ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባተሪ ኤለክትሪክ መካይን ክተፍሪ ትዳለው ከተማ ኣመሪካ


ባተሪ ኤለክትሪክ መካይን ክተፍሪ ትዳለው ከተማ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:26 0:00

ባተሪ ኤለክትሪክ መካይን ክተፍሪ ትዳለው ከተማ ኣመሪካ

ኣብ ግዝኣት ዋሺንግተን ትርከብ ሓንቲ ምሕድግ ዝበለት ሓውሲ ከተማ፡ ባተሪ ኤለክትሪክ መካይን ክተፍሪ ትዳሎ`ላ።

ክልተ ናእሽቱ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ካብ መንግስቲ ናይ 100-ሚልየን ዶላር ሓገዝ ብምርካብ ነታ ከተማ ካብ ማእከል ሕርሻ ናብ ማእከል ኢንዳስትሪ ንምቕያር ምንቅስቓስ ጀሚረን ኣለዋ።

ኣብ ግዝኣት ዋሺንግተን ሓጋይ ቁሪ`ዩ፡ እንተኾነ ምስቲ ዝርአ ዛዕዛዕታ ዝናብ`ውን ኣሎ፡ ከተማ `ሞሰስ ለይክ` ክልተ ቦታታት ህንጻ`ታ ከተማ ልዑል ንጥፈት የተኣንግዳ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት፡ ክልተ ፋብሪካታት ክተኽሉ ኣብ ልዑል ስራሕ ተጸሚዶም ኣለዉ። ንኤለክትሪክ መካይን ዘገልግል ባትሪ ንምፍራይ`ዩ። እቲ መደብ ዝመጽእ ዓመት ፍርያት ክጅምሩ`ዩ።

ክልተ ኣመሪካውያን ጀመርቲ ትካላት ካብ መንግስቲ ናይ 100-ሚልየን ዶላር ሓገዝ ረኺበን፡ ከምኡ `ውን ምስ ንግዳውያን ኣወፈርቲ ሽርክነት መስሪተን፡ ንፋብሪካታት ኤለክትሪክ መካይን ዝኸውን ምዕቡል ባትሪ ከፍርያ መደበን ኣለዋ።ሓንቲ ካብተን ትካላት ግሩፕ-14 ቴክኖሎጂስ (Group14 Technologies) ትብሃል። ኒክ ኣንደርሰን ናይታ ትካል ዳይሬክተር ፕሮግራም ምሕደራ`ዩ። “ ካብ ኤለክትሪክ መካይን ጀምሪካ ክሳብ `ኢንተርነት ኦፍ ቲንግስ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ መሳርሕታት ከምኡ `ውን ን`ስማርት ፎናት`ን ካልእ ኣብ እዝንኻ ዝስኳዕ መስምዕን ዘገልግል መሳርሕታት ክነፍሪ`ዩ መደብና” ይብል።

ግዝኣት ዋሺንግተን ካብ መንጎ`ተን ካብ 2035 ጀሚሩ መሸጣ ብነዳዲ ዝኸዳ መካይን ክእግዳ ተበጊሰን ዘለዋ ግዝኣታት ኣመሪካ ሓንቲ`ያ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ምሉእ ኣመሪካ ብኤለክትሪክ ጥራሕ ዝንቀሳቐሳ መካይን 8.6 ሚእታዊት ጥራሕ`የን። ክኢላታት እተን መካይን ዘዋጽእ ዋጋ ክህልወን እንተኾይኑ ነቲ ባትሪ ዘፍርያ ዘቤታዊ ፋብሪካታት ክህልዋ ኣለወን ይብሉ። ብመሰረት ምምሕዳር ባይደን ርትዓዊ ዋጋ ዘለወን ናይ ኤለክትሪክ መካይን ከምኡ'ውን ተኣማኒ ሰንሰለት ቀረባት ክህሉ እንተኾይኑ እኹል ዘቤታዊ ምህርቲ ባትሪን መምልኢ ባትሪታት ዝኾነ ትሕተ ቅርጽን ክዳሎ ኣለዎ ይብል።

ሕጂ እተን ኣብ ሞሰስ ለይክ ዝድኮና ዘለዋ ፋብሪካታት ምፍራይ ባትሪ ብምሉእ ዓቕመን ከፍርያ እንተጀሚረን ኣብ ዓመት ኣስታት ን400 ሺሕ መካይን ዝኸውን ባተሪ ከፍርያ ከምዝኽእላ፡ ሓለፍቲ ይዛረቡ`ለዉ። ከምኡ`ውን ዝሓሸ ባትሪ ከፍርዩ ቃል ኣትዮም ኣለዉ፡ እዚ ማለት ነቲ ልሙድ ኣብ ``ልቲየም፡ኣዮን` ተመስሪቱ ዝስራሕ ባትሪ ገዲፎም ኣብ ሲልከን ዝምስረት መሳርሕታት ዝሓዘ ባትሪ ከፍርዩ ምዃኖም`ዩ፡ ፍልልዩ ድማ ቀልጢፉ ዝመልእ ባትሪ ምዃኑ`ዩ።

ኣብ ግሩፕ 14 ቴክኖሎጂስ ምኽትል ኣህጉራዊ ዕዳጋ ዝኾነ ግራንት ረይ ብዛዕባ ፍልልዩ ክዛረብ ከሎ፡ “እቲ ሲልከን ካርቦን ትሕዝቶ ዘለዎ ሓዲሽ ተክኖሎጂ፡ 50 ሚእታዊት ተወሳኺ ደንሲቲ ዘለዎ ኮይኑ ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ ግዜ ክመልእ ዝኽእል`ዩ ይብል።

“ሎሚ ዘሎ ግዜ ምልኣት ባትሪ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ካብ 10 ክሳብ 80 ሚእታዊት ዝመልእ ክኸውን ከሎ ንሕና ናብ 5 ደቓይቕ ግዜ ክነውርዶ ኢና” ይብል።

ዲይሬክተር ኢንስቲቱት ጽሩይ ኤነርጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን ዳንኤል ሽዋርዝ፡ ክሳብ ሎሚ ዝጸንሐ ብድሆታት ምህርቲ ኢ-ቪ ማለት ኤለክትሪክ መካይን ኣመሪካ፡ እቲ ልሙድ ኣብ ሊትየም ዝተመስረተ ባትሪ ካብ ደገ ይኣቱ ምንባሩ`ዩ ሕጂ ግን እቲ ኣብ ስልከን ዝተመስረተ ባትሪ ንብዙሕ ብድሆታት ምላሽ ዝህብ ክኸውን ይኽእል`ዩ ይብል።

ምምሕዳር ባይደን ከም ኣካል ናብ ጽሩይ ጸዓት ዘለዎ ህንጡይ ኣጀነዳ፡ ኣብ ዘቤታዊ ምህርቲ ኢ-ቪ ባትሪ ከውፍር ጸኒሑ`ሎ። ብኻልእ ወገን ካብ መንጎ ሪፓብሊካን ሕጹያት ነቲ ንኤለክትሪክ መካይን ዝብል ጉዳይ ህጹጽነቱ ኣይርኣዮም። ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ `ውን “ኩሉ ኤለክትሪክ ዝብሃል ምድንጋር” ክብል`ዩ ጸዊዕዎ።

ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ግዝኣት ሚሺጋን ንብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቱ ክዛረብ ከሎ፡ “ንኢ-ቪ ምቕዳም ማለት ናብ ገሃነም ምስግጋር” ማለት`ዩ ኢሉ ኔሩ። ነቶም ሰራሕተኛታት ፋብሪካታት መካይን ክዛረቦም ከሎ ድማ “ደሞክራት ኩሉ ናብ ኤለክትሪክ ቀይሮም ንዓኻትኩም ብዘይስራሕ ዓዲ ውዑል እዮም ክገብሩኹም ዝደልዩ ዘለዉ" ኢልዎም።

ኣብ ሞሰስ ለይክ ፋብሪካ ኤለክትሪክ ባትሪ ዝተክል ዘሎ ካልኣይ ፋብሪካ ድማ ሲላ ናኖ ቴክኖሎጅስ ይብሃል።ዋና ሓላፊኡ ጀን በርዲችቭስኪ ክዛረብ ከሎ፡ ኣመሪካ ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ትሓዝ ኣይትሓዝ ብዘየገድስ፡ እቲ ምስግጋር ናብ ኤለክትሪክ መካይን ግን ተግባራዊ ክኸውን`ዩ ይብል። ንሱ ብምስዓብ ”ተሓዳሲ ጸዓትን ባተሪታትን ንጸዓት መበል 21 ክፍለዘመን መሰረት ምዃኑ ክቕጽል`ዩ” ይብል። ክሳብ 500 ማይል ከዘውር ዝኽእል ባትሪ ኤለክትሪክ መካይን ንምፍራይ ከም ዝጽዕሩ`ውን ይዛረብ።

ሮሰንዶ ኣልቫርዶ ነባሪ ሞሰስ ለይክ ኮይኑ ኣብ ሲላ ናኖ ቴክኖሎጅስ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ስራሕ ጀሚሩ'ሎ። እቲ ከባቢ ንቐረባት ዝጥዕም ማያዊ ጸዓት ከምኡ`ውን ሲልከን ዘፍርያ ከም ረክ፡ ስልከን ዝተባህላ ትካላት ዘለውኦ ስለዝኾነ ምቹእ `ዩ ይብል። ካብታ ሓውሲ ከተማ ጥራሕ ኣማኢት ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥረሎም`ውን ጠቒሱ`ሎ። "እዛ ከተማ ካብ ሕርሻ ዘማእከለ ናብ ኢንዱስትሪያዊ ኮሚኒቲ ክትልወጥ ብዓይንና ንርእያ ኣለና” ይብል።

“ ንእሽቶ ዓዲ`ያ ዳርጋ ኩላትና ንፋለጥ ኢና” ይብል ኒኮላስ ክሩዝ፡ ትምህርቱ ሕጂ ዝወደአ መንእሰይ።”ኣዝዩ ደስ ዘብል`ዩ፡ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ይኽፈት ኣሎ፡ ኣብዚ ኮሚኒቲና ባትሪ ኢ-ቪ ክፈሪ ምርኣይ ማለት ቀሊል ጽልዋ ኣይኮነን፡ እቲ ጽልዋ ከመይ`ዩ ክኸውን ዝብል ግን ሓቢርና ንርእዮ`ዩ ዝኸውን” ይብል እ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG