ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ሓገዝ መግቢ ንስደተኛታት ጥራይ ከምትጅምሮ ኣፍሊጣ


ሓገዝ መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ - ፋይል
ሓገዝ መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ - ፋይል

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት፣ ውሱን መጠን ረድኤት ከምትልእኽ ሎሚ ሓሙስ 5 ጥቅምቲ 2023 ኣፍሊጣ፡ ኣመሪካ ነቲ ድሕሪ ስልታዊ ምጥፍፋእ እኽሊ ምፍጻሙደው ዘበለቶ ሓገዝ ሕጂ’ውን ከምዘይትጅምሮ ገሊጻ'ላ።

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፣ ሱዳናዊያን፣ ደቡብ ሱዳናዊያን፣ ሶማልያዊያንን ኤርትራዊያን ናብ ዝርከቡለን 28- መዓስከራት ስደተኛታት ረድኤት ምብጻሕ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከምትጅምር ኣፍሊጦም ኣለው።

ድሕሪ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝቀጸለ ኲናት ክልል ትግራይ ይሓዊ ናብ ዘሎ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ክላኣኽ ዝነበሮ ረድኤት እኽሊ ግና፣ ኣመሪካ ክሳብ ተወሳኺ ኣገባብ መቆጻጸሪ ምጥፍፋእ ረድኤት ዝትግበር ከምዘይትጅምሮ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ።

ወሃቢት ቃል ተራድኦ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ጀሲካ ጄኒንግ ‘ናብ ካልኦት ተቃላዕቲ ኢትዮጵያዊያን ክንልእኾ ዝነበረ ረድኤት ናብ ተሓጋዛይ ከምዝበጽሕ መረጋገጺ ክሳብ ንረክብ ኣይንጅምሮን ኢና’ ከምዝበለት ትካል ዜና ፈረንሳ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG