ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ተኸቢሩ ወዒሉ


ሎሚ 11 ህዳር አብ መላእ ኣሜሪካ መዓልቲ ሓርበኛታት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ብምክንያት'ዛ ዕለት ምስ ገዳይም ሓርበኛታትን ስድረኦምን ሎሚ አብ ዋይት ሃውስ ቁርሲ ድሕሪ ምብላዕ አብ ሃገራዊ መቃብር ሓርበኛታት አርሊንግቶን ዕንባባ አምቢሮም'ለው።

ፕረዝደንት ኦባማ ብምክንያት'ቲ በዓል አብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓርበኛታት ካብ መንጎ'ቶም አዝዮም ክኢላታትን ደረኽትን ሰባት አብ ዓለም'ዮም። አብ ጽንኩር ኩነታትን እዋናትን'ውን ዕማሞም ዝፈጸሙ እዮም ኢሎም።

አብ አውሮጳ ድማ አብያተ ክርስትያናት ደወለን ብምድዋል ሰበ-ስልጣን ድማ ነቶም አብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ዝሞቱ ሚሊዮናት ወታሃደራት ብምዝካር ዕምባባታት ብምንባርን ነታ ዕለት ዘኪሮም ውዒሎም። መዓልቲ ሓርበኛታት አብ ኣሜሪካ ክኽበር ዝጀመረ አብ 1919 ዓ.ም አብ እዋን ፕረዝደንት ውድሮው ዊልሰን'ዩ።

XS
SM
MD
LG