ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ፖለቲካዊ ሓተትቲ ዕቑባ ዝተኣናገድሉ ማእከላት ኣብ ኮሎምብያን ጓቲማላን ከምትኸፍት ገሊጻ


ፋይል
ፋይል

ምምሕዳር ባይደን ፖለቲካዊ ሓተቲ ዑቑባ ዝተኣናገድሉ ማእከላት ኣብ ኮሎምብያን ጓቲማላን ከምዝከፍት ገሊፁ።

ዕላማ እዚ መስርሕ እዚ ኣብ እዋን ኮቪድ19 ዝተነበረ እገዳ ምንቅስቃስ ሰባት ኣብዚ ቀረባ ስለዘብቅዕ ቁጽሪ ብወገን ሜክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ክውስኽ ይክእል እዩ ዝብል ስግኣት ስለዘሎ እዩ።

እንተኾነ እዞም ምምሕዳር ባይደን ዘተኣታትዎም መስርሓት ንዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምቁፅፃር ሓጋዚ ንምዃኖም ግን ንፁር ኣይኮነን።

ብሰንኪ ኮቪድ19 ኣብ ልዕሊ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተነበረ እገዳ ካብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ክለዓል'ዩ።

በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ሚስተር ማዬርካ "ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ንምልዓል እቲ ደረት ምንቅስቃስ፥ ዶባት ኣመሪካ ተኸፊቱ ማለት ከምዘይኾነ ክርድኡ ይግባእ"ኢሎም።

XS
SM
MD
LG