ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሕጂ’ውን ኣመሪካ ዶባታ ኣይከፈተትን፡” ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ


ብምኽንያት ምልዓል ህጹጽ ሓደጋ ጥዕና ኮቪድ19ን ምብቃዕ ብ"ታይትል 42” (Title 42) ዝፍለጥ ኣዋጅ ኣመሪካን፡ ብዶባት ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝቀራረቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብቲ ዝመጽእሉ ቦታ ክምለሱ ምዃኖም ጸሓፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣለሃንድሮ ማዮርካስ ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣመሪካዊ በዓል መዚ ኣብ መግለጺኡ፡ “ህጹጽ ኣዋጅ ጥዕና ኮቪድ-19 ተላዒሉ ማለት ኣመሪካ ዶባታ ከፊታ ማለት ዘይኰነ፡ በንጻሩ’ዩ፡” ኢሉ። ማዮርካስ ኣስዒቡ፡ እቲ ታይትል 42 ዝብል መምርሒ ደኣ የብቅዕ እምበር፡ በቲ ዝጸንሐ ሕጊ ኣመሪካ፡ ብቐንዱ ድማ ታይትል 8፡ ናብ ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት እገዳ ከም ዝጽበዮም ኣጠንቂቑ።

ማዮርካስ፡ ባይቶ ኣመሪካ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ሕጊ ከሕልፍ ጸዊዑ ኣሎ።

ጸብጻባት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ክሳብ 150-ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ዶባት ሜክሲኮ ኰይኖም ንኣመሪካ ንምእታው ይጽበዩ ኣለዉ። ምብቃዕ ታይትል 42 ድማ ኣብ ብዙሓት ዘይንቡር ተስፋ ኣንቢሩ ምህላዉ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

ሎሚ 11 ግንቦት መዓልቱ ዘብቅዕ ዘሎ ብ"ታይትል 42” ዝፍለጥ ጊዝያዊ ኣዋጅ፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ19፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም ጉዳዮም ከይከታተሉ ዝኽልክል ኰይኑ፡ በቲ ኣዋጅ ምኽንያት ድማ ኣብ ሜክሲኮ ስደተኛታት ዝጸንሑሉ ሓያሎ መዕቆቢታት ክስራሕ ተገይሩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG