ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ልዕሊ ካብ መክሲኮን ካናዳን ዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ወሰኽ ግብሪ፣ ካብ ቻይና ድማ ናይ 20% ተግባራዊ ንምግባር ምድላዋት ይገብር ኣሎ።
ካቶክቲን ክሪክ ኣብ ዝተባህለ ትካል መፍረ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከቃምሙን ጠራሙዝ መስተ ክሰርዑን ይርኣዩ። ራይ ዝተባህለ ዊስኪ ዝጽመቖሉ ፋብሪካ’ዩ። ነዚ ዊስክ ዘዳልዉ ቤኪን ስካትን’ዮም።
ኣብ ቪርጂያ እትርከብ ራይ ዊስክ እተፍሪ ትካል፡ ኣመሪካ ንብረት ካልኦት ሃገራት ግብሪ ቅድሚ ምጅማራ ኣስታት 100 ዓመት ኣቐዲማ ዝተመስረትት’ያ። ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝኣቱ ንብረት ግብሪ ክስልዓሉ ብፈላሚ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆርጅ ዋሺንግተን ብሕጊ ተፈሪሙ። እዛ ትካል ግን ቅድሚኡ’ያ ተመስሪታ።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከኣ ብፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መክሲኮን ካናዳን ናይ 25% ግብሪ ይስላዕ ኣሎ። ሎሚ እምበኣር ነዛ ትካል ፍርያታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንኸይትሸይጥ ንፈለማ እዋን ተወሳኺ ተጽዕኖ ፈጢሩላ ኣሎ።
ቤኪ ሃሪስ ፕረዚደንት እዚ ትካል’ያ።
“በዚ ሓድሽ መምርሒ ስራሓትና ንደገ ምልኣኽ ኣዝዩ ክኸብድ’ዩ። ምኽንያቱ ኵሉ ንብረትና ዝገዝእ ዓሚል ነቲ ግብሪ’ውን ብተዘዋዋሪ ክኸፍሉዎ ኣለዎም። ነዚ ክግብር ፍቓደኛ ዝኸውን ከኣ ውሑድ’ዩ።”
በዚ ሓድሽ ወሰኽ ግብሪ ኣብ መክሲኮን ካናዳን ዝግበር ዝርጋሓ ጥራይ ኣይኰነን ክጽልዎ፡ ነዚ ትካል ወሰንቲ መሳርሒ ዝዀኑ ጥራሙዝ ኣብ ኣመሪካ’ዮም ዝስርሑ። እንተዀነ እዚ’ውን ድሕሪ መምርሒ ፕረዚደንት ትራምፕ’ዩ ክቕየር ጀሚሩ። መብዛሕትኦም ትካላት ኣብ ቻይናን መክሲኮን ዝፈርዩ ጠራሙዝ ከም ዝመርጹ እትግለጽ ቤኪ፡ ድሕሪ ነዊሕ ፈተሻ ግን ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣመሪካ ሓንቲ ትካል ከም ዝረኸቡ ትነግር።
“ምናልባት ኣብ ሓጺር እዋን ሕጽረት ጠራሙዝ ከጋጠመ ይኸውን’ዩ። ነዚ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ኣዋርሕ መፍትሒ እንተ ዘይረኺብናሉ፡ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ብዝኸበረ ክንገዝእ ክንግደድ ኢና። እዚ ድማ ተደማሚሩ ዳሕራይ ኣብ ዕዳጋ ለውጢ ክፈጥር’ዩ።”
ቤኪ ሃሪስ ፍርያታ ናብ መክሲኮን ካናዳን ከተዕቢ’ያ መዲባ ነይራ። ሕጂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ ዘሎ። ኣብ ካናዳ፡ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ንፍርያት እዛ ትካልን ካልኦት ናይ ኣመሪካ መስተን ካብ ከብሕታተን የውርዳ ኣለዋ።
ጽልዋኡ ግን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ካናዳን መክሲኮን ጥራይ ኣይኰነን። ካብ ፈረንሳይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቐበሉዎ ትእዛዝ ከም ዝተሰረዘ ስካት ሃሪስ ይሕብር። እቶም ፈረንሳውያን ኣከፋፈልቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፍርያት ኣመሪካ ምሓዝ ተመራጺን ከም ዘይኰነን ኣብ ዕዳጋ ድማ ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን’ዮም ነጊሮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ወሰኽ ግብሪ ንፍርያት መክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ፈንታኔል ክገትኦ ምዃኑ ይኣምን። እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ካብ ቻይና ከም ዝመጽእ ዝንገርሉ ፈንታኔል ንምኽልካል ጽቡቕ ኣይሰርሓን ዝብል ምጉት ኣሎ።
“መክስኮን ካናዳን ካብዚ ዝገብርኦ ዘለዋ ንላዕሊ ክሰርሓ ትጽቢት ንገብረለን። ናብ ኣመሪካ ዝውሕዝ ዘይሕጋዊ ፈንታኔል ደው ከብልኦ ኣለወን። ከብልኦ ድማ’የን።”
ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ውሳነ ዘለዎም ተቐባልነት ይገልጹ። ካብ መንጎኦም ዝዀነ ማይክል በርናኪ፡ ከምቲ ካልኦት ሃገራት ንብረት ኣመሪካ ግብሪ ዘኽፈልኦ፡ ኣመሪካ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምስ እትወስድ እቲ ንግዲ ከም ዝመዓራረ ይኣምን።
ኣብ ዓቃባዊ ትካል መጽናዕቲ ኣመሪካን ኢንተርፕራይዝ ዝሰርሕ ደስሞንድ ላችማን ግን ካብ ንግዳዊ ኲናት ዝረብሕ ወገን ከም ዘየለ’ዩ ይነግር። ኣብ ሓደ መረዳድኢ ነጥቢ ክሳብ ዝብጻሕ ግን እዚ ንግዳዊ ኲናት ክቕጽል ከም ዝኽእል ድማ ላችማን ይነግር።
ቅጥዒ