ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንሶሪያ ንምጥቓዕ ንዘቕረብዎ ሓሳብ ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም


Syria US Congress
Syria US Congress
ባራክ ኦባማ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ወታደራዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ንዘቕረብዎ ሓሳብ ከምዝድግፉ ናይ ክልቲኦም ፓርትታት ላዕለዎት መራሕቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንትኣፍሊጦም።እቲ ውሳነ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ድምፂ ክቐርብ እዩ።

ኣፈ ጉብኤ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ቦይነርን መራሒት ኣባላት ቤት ምኽሪ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ናንሲ ፐሎስን ሎማዕንቲ ሰሉ ምስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምርኻቦም እዮም ነዚ ዝገለፁ።

ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሶሪያ ፕሬዝዳንት በሽር ኣል-ኣሳድ መጥቓዕቶም ጠጠው ናይ ምባል ተኽእሎ ኣለዋ፣እቲ ስጉምቲ ንኻልኦት እውን መጠንቀቕታ ከሕልፍ ኣለዎ ኢሎም ቦይነር።
ፐሎሲ ብወገንን ሶሪያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ምጥቃማ ንስልጡን ባህሪታት ዝጠሓሰ እዩ ምስ በላ ዩናይትድ ስቴትስ መልሲ ክትህብ ኣለዋ ኢለን።

ገሊኦም ኣፅዋራት ዘሰቅቕ ሞት ዘስዕቡ ጥራሕ ከይኮኑስ ኣብ ኢድ ኣብ ግጭት ዘይኣተው ወገናት ኣትዩ ከም እስራኤል፣ጆርዳንን ቱርኪን ንዝኣመሰላ መሻርኽትና ሓደጋ ክፈጥር ዝኽእሉን እውን እዮም ኢሎም ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ።

ዩናይትድ ስቴትስ ንናይ ሶሪያ ተቓወምቲ ዓቕሚ ዘሕይል ሰፊሕ ዝበልዎ ስትራተጂ ከምዘለዋ እውን ሓቢሮም ኦባማ።
XS
SM
MD
LG