ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ሶርያ ጌራቶ ንዝብሃል ምጥቃም መርዛም ጋዝ ምላሽ ክህብሉ ወሲኖም


U.S. Military Assets in Syria
U.S. Military Assets in Syria
እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ምስ ጉጅለ ሃገራዊ ፀጥታ ይሰርሑ ከምዘለው ወሃቢ ቃል ጀይ ካርኒ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 21 ነሓሰ መጥቓዕቲ መንግስቲ ሶሪያ መርዛም ጋዝ ምጥቃሙ ዋላ ሓንቲ ዘጠራጥር ኣይኮነን ኢሎም ካርኒ።ዩናይትድ ስቴትስ ብዛዕባ መጥቓዕቲ መርዛም ጋዝ ኣብ ምወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ፀብፃብ ስለያ ክተቕርብ ኢያ ኢሎም ብምውሳኽ።

ምንስቴር ወፃኢ ሶሪያ ዋሊድ ኣል-ማውለም መንግስቶም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኣይተጠቐመት ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪ ጉጅለ እውን ብምሉእነት እናተሓባበረ እዩ ኢሎም።ናይ ሕቡራት መንግስታት መርመርቲ ግን ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ተፈፂሞዎም ካብ ዝተብሃሉ ቦታታት ሓደ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዓመፅቲ ንዝርከብ ቦታ ንምርኣይ ሒዞምዎ ዝነበረ ትልሚ ብምኽንያት ናይ ፀጥታ ስግኣት ንፅባሕ ረቡዕ ኣናዊሖምዎ።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምስንቴር ምክልኻል ቻክ ጌግል ወታደራዊ መጥቓዕቲ ይወሰድ ዝብል ትእዛዝ ካብ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ይፅበዩ ከምዘለው ንቢቢሲ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።ዘድሊ ናውቲ ናብቲ ከባቢ ተፀጊዑ’ሎ እውን ኢሎም።

ምስንቴር ወፃኢ ዋሊድ ኣል-ሙዋለም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ግን ምስ መዘንኦም ምኒስቴር ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪ ምሕዝነታዊ ዝበልዎ ናይ 10 ደቓይቕ ናይ ቴሌፎን ምይይጥ ምክያዶም ሓቢሮም።ዝርዝር መብርሂ ኣይሃቡን።

ደማስቆ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት መርመርቲ ምሉእ ብምሉእ እናተሓባበረት እንተኾነት እውን ምዕራባዊያን ሃገራት እቶም መርመርቲ ምርመርኦም ገና ከይወድኡ ሶሪያ ተሓታቲት ንኽትኸውን እናደፍእሉ እዮም ኢሎም ማውለም ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል።

ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሙ ዝቐርቡ ዘለው ኽስታት ሓላያት ሃገራት ንደማስቆ ብምውራር ንኢራን ንምጥቓዕ ይፈጥርዎ ዘለው ምስምስ እዩ ኢሎም ማውለም።
ሶሪያ ብዘለዋ ዓቕሚ ንዓርሳ ክትከላኸል እያ፤ሶሪያ ንኸይትወድቕ ናይ ሩሲያን ኢራንን ምትሕብባር እውን ትፅበ እያ ኢሎም ብምስዓብ።

ዋና ፀሓፊ ዓረብ ሊግ ናቢል ኤላራብይ ካብ ካይሮ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መጥቓዕቲ ኬሚካላዊ ኣፅዋር መቕፃዕቲ ዘድልዮ ዘኸፍአ ገበን እዩ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG