ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ንኣርባዕተ ሃገራት ቪዛ ምህብ ጠጠው ክተብል እያ


The State Department Building is pictured in Washingto
The State Department Building is pictured in Washingto

ዩናይትድ ስቴትስ ንዝባረሩ ዜጋታተን ንዘይቕበላ ኣርባዕተ ሃገራት ቪዛ ምሃባ ጠጠው ከም እተብል ኣፍሊጣ።

ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ኤርትራ፣ጊኒን ስየራ ሊዮን ከምኡ እውን ካምቦዲያ እየን።

ዩናይትድ ስቴትስ ቅድም ክብሉ ኣብዝነበሩ ምምሕዳራት እውን ናይ ምብራር ፃዕርታታ ንምሕያል ንኽልተ ግዜ ቪዛ ምሃብ ጠጠው ኣቢላቶ ከምዝነበረ ተገሊፁ’ሎ።

ምንስቴር ድሕነት ውሽጢ ሃገር ዩናይትድ ስቴርስ ኣርባዕተ ሃገራት ብዘይሕጋዊ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ዜጋታተን ኣይንቕበልን ምባለን ወይ ኣዳልዪ ዘይኮነ ምድንጓያት ከምዝፈጥራን ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ US ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊፁ ነይሩ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ነቲ ትእዛዝ ንምፍፃም ይግምግመሎ።

ዝሓለፈ እዋን እዚ ናይ ቪላ እገዳ ንዲፕሎማሰኛታትን ሰበስልጣን መንግስትን ዝጠመተ ነይሩ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ጊኒ ዝበፅሖ ወግዓዊ ሕቶ ከምዘየለ ብምግላፅ 75 ጊኒያዊያን ከምዝተባረሩ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ሰበስልጣን ኤምባሲ ሲየራ ሊዮን ክባረሩ ተዳሊዮም ናብ ዘለው ከይዶም ዜጋታት ምዃኖም ምስ ኣረጋገፁ ኣዳላዩ ሰነድ ከምዝዳለወሎምን ገሊፆም ኣለው።

ካብ መንግስቲ ኤርትራ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዚ ዓመት 117 ኤርትራዊያን፣88 ጊኒያዊያንን 27 ካምቦዲያዊያንን ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ክወፁ ከምዝኣዘዘት ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ግን ክባረሩ ካብ ዝተኣዘዙ 28,000 ሜክሲካዊያን ሓዊሱ ተጠቒሶም ዘለው ኣዚዮም ውሑዳት እዮም።

XS
SM
MD
LG