ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ ስመን ከምዝሳሓባ ገሊፀን


ኣምባሳደር ሱሰን ራይስ
ኣምባሳደር ሱሰን ራይስ
ናይ ስልጣን ዕድመአን ኣብ‘ዚ ቀረባ ንዘብቅዕ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንትን ንምትካእ ካብ ቀፂሉ ዘሎ ምልመላ፣ስመን ከምዝሳሓባ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ገሊፀን።

ወ/ሮ ሱዘን ራይስ ክሳብ‘ቲ ብጠንቂ ኣብ ቤንጋዚ ሊብያ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሃበኦ መግለፂ፣ማዕበል ነቀፌታ ካብ ኣባላት ሪፐብሊካዊያን ክሳብ ዝቀረበለን፣ቀዳመይቲ ሕፅይቲ እየን ነይረን።

ንሰን ኣብ ዘረበአን ”ስመይ ዝሳሓብኩ ነዛ ሃገር ክገብረላ ዝኽእል ቅኑዕ ነገር ስለዝኾነ‘ዩ። ንፕረዚደንት‘ውን ክገብረሎም ዝኽእል ዓብዪ ነገር ንሱ‘ዩ። ክልቲኦም ነጥብታት ደሚርካ፣ንባዕለይን ንቤተ-ሰበይን‘ውን ዝረብሕ‘ዩ ይብላ ሱዘን ራይስ” ኢለን።

ትማሊ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ንሕቶ ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ ተቀቢለዮ‘ለኹ ኢሎም።ንሶም ኣብ‘ቲ መልእኽቶም፣ዶ/ር ሱዘን ራይስ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ልእኽቲ ኣሜሪካን ኣባል ካቢነኦምን ኮይነን ከምዝቅፅላ ኣረጋጊፆም።

ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ፣እቲ ኣብ ቤንጋዚ ዝተወለዐ መጥቃዕቲ ብጠንቂ‘ቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተሰርሐ ፊልም ፀረ-እስልምና ብሃንደበት ዝተበገሰ ህውከት‘ዩ መንቀሊኡ ድሕሪ ምባለን ካብ ሪፐብሊካውያን ወቂሶምወን‘ዮም።ኣብ‘ቲ ናይ ቤንጋዚ ጥቅዓት ንኣምባሳደር ክሪስቶፈር ስቲቭንሰን ወሲኹ፣ኣርባዕተ ኣሜሪካውያን ከምዝተቀትሉ ይዝከር።

ትካል ስለላ ኣሜሪካ ድሒሩ ከምዘረጋገፆ ግና፣እቲ ናይ ቤንጋዚ መጥቃዕቲ ሃንደበታዊ ዘይኮነስ ብፈጠርቲ ራዕዲ ዝተዋደደ ከምዝነበረ‘ዩ ገሊፁ።ገለ ምንጭታት ድማ ብድሕሪ‘ቲ ጥቅዓት እስላማዊ ጉጅለ ኣንሳር ኣል-ሸሪዓ ሓላፍነት ተረኪቡ‘ዩ ይብሉ።
XS
SM
MD
LG