ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ የካይዶ ዝነበረ ናይ ዜጋታቱ ናይ ቴሌፎን ርክባት ሬከርድ ዘብቅዕ ሕጊ ፀዲቑ


መጥቓዕትታት ሽበራ ንምክላኽል ብዝብል መንግስቲ የካይዶ ዝነበረ ሰፊሕ ምእካብ ሓበሬታ ርክባት ቴሌፎን ዘብቅዕ ሕጊ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መወሰኒ ሕጊ/ሰኔት/ ኣፅዲቑ። ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ነቲ ሕጊ ፈሪሞምዎ ኣለው።

ሃገራዊ ኤጄንሲ ፀጥታ/NSA/ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ኣሜሪካዊያን ምእካብ ናይ ቴሌፎን ሬከርድ ዘብቅዕ ሕጊ 67 32 ብዝኾነ ድምፂ እዩ ሓሊፉ።

ብመሰረት ሰኔት ዘፅደቖ ሓድሽ ሕጊ ኣሜሪካዊያን ዝገብርዎ ናይ ቴሌፎን ርክባት ሬከርድ ኣኪቡ ዝሕዞ ሃገራዊ ኤጀንሲ ፀጥታ/NSA/ ከይኮነስ ናይ ቴሌፎን ኩባኒያታት እየን።ናይ ፌደራል መርመርቲ ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ናይ ዝጥርጠር ሰብ ናይ ቴሌፎን ሬከርድ ክምርምሩ እንተኾይኖም ቅድም ቀዳድም ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ክሕዙ ኣለዎም።

ኣባል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ዝኾኑ ሰነቴር ፓትሪክ ሊ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝብሃል መመሓየሺ ናይ ክትትል ሰነድ ኣፅዲቕና ኣለና ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣይዶሎጂ ንጎኒ ገዲፍና፣ፍርሒ ናብ ጎኒ ዕሽሽ ኢልና ኢና ኣሕሊፍናዮ ዘለና።ንድሕነት ዩናይትድ ስቴትስ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ኣሜሪካዊያን ከውሊ እውን ዝሕሉ እዩ’’ኢሎም።

ቀንዲ መራሒ ሰኔት ሚች ሚኮኔል ግን እቲ ሕጊ ኣንፃር ሽብር ኣብ ዝካየድ ግጥም ንቀንዲ መሳርሒ ካብ ኢድ ሰበስልጣን ፌደራል ዝመንዝዐ እዩ ኢሎምዎ።

ናይ ኣሜሪካዊያን ዜጋታት ውልቃዊ ሓበሬታ ከውሊ ንኽረክብ ዘሐይል ከይኮነስ ኣብ ክንድኡ፣ኣብ ዝተጋገየ እዋን ሓደ ተወሳኺ መሳርሒ ካብ ናይ ኲናት ሰራዊትና ብምውሳድ ድሕነት ኣሜሪካዊያን ኣብ ሓደ ዘውድቕ እዩ ኢሎም።
መንግስቲ ንትሕዝቶ ናይ ቴሌፎን ርክባት ከይኮነስ ንቁፅርታት ምሓዝ ዝጀመረ ድሕሪ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 11 መስከረም 2001 / ነይሩ።

እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ክልተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ዘቃለዖ ሰራሕተኛ NSA ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሩሲያ ተዓቒቡ ዝርከብን ኤድዋርድ ስነውደን እዩ ነይሩ።

ስነውደን ብቪድዮ ኣቢሉ ትማሊ ሰሉስ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዝሃቦ ቃል ምክትታል ንናይ ቴሌፎን ርክባት ሽበራዊ መጥቓዕትታት ንምክልኻል ኣይሕግዝን ኢሉ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ናይ ኣሜሪካዊያን ድሕነት ከምኡ እውን ስቪላዊ ነፃነታት ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ብምፅዋዕ ነቲ ሕጊ ትማሊ ፈሪሞምዎ።

XS
SM
MD
LG