ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ብስምምዕነት ክልቲኤን ሱዳን ተተባቢዓ


ገና ክዝረበሎም ዘለዎም ፀገማት‘ውን ኣለው ትብል

ክልቲኤን ሱዳን፣ኣብ ልዕሊ ክፍሊት ንግዲ ነዳዲ ውዕል ምእሳረን ኣሜሪካ ተቀቢላቶ።ግን ክልቲኤን ሃገራት፣ንገና ፍታሕ ዘይረኸቡ ወሰንቲ ኣጀንዳታት ተራኺበን ንክፈትሓ‘ውን ኣሜሪካ ኣተባቢዓ‘ላ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ንብርኪ‘ቲ ክልቲኤን ሱዳን ዝጀመረኦ መስርሕ ሰላም ዝርከበሉ ኩነታት፣ካብ ሸምጋላይ ታቦ እምቤኪን ልኡኽ ሕ/መ ሃይለ መንቆርዮስን ንክሰምዕ ተራኺቡ ነይሩ።

ድሕሪ‘ቲ ኣኼባ ሪኢቶአን ዝሃባ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሱዘን ራይስ፣ነቲ ዝተበፅሐ ውዕል ክፍሊት ንግዲ ነዳዲ ብምንኣድ፣እቲ ውዕል ምትግባሩ ድማ ዝያዳ ኣገዳሲነት ኣለዎ ኢለን።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን እቶም ወሰንቲ ኣፈላላያት ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ንክፈትሑ ደረት ጊዜ ከምዝሃበ ዝዝከር‘ዩ።ሱዛን ራይስ ዝተረፉ ነጥቢታት ፍታሕ ክግበረሎም‘ውን ፀዊዔን።

”ግልፂ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ኣለው‘ዮም።ንኣብነት ኩነታት ፀጥታ ኣብ ዶብ፣ ናፃ ዞባ ፀጥታ፣ኣበዪይን ኣካታዒ ዶብን ገሊኦም‘ዮም።ክልቲኦም ወገናት፣ነዞም ነጥቢታት ክፈትሑን ንሕና ብግዴና መልሰ-ግብሪ ክንህበሎምን ተቀሪብና‘ለና” ይብላ ንሰን።

ኣምባሳደር ሱዳን ዓሊ ኦስማን ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ክልቲኦም ወገናት፣ኣብ እዋን‘ቲ ልዝብ ንኩሎም ነጥቢታት ከምዝዳህሰሱ ጠቂሶም።

”ንገሊኦም ኣጀንዳታት ኣይዳህሰሱን ምባል ጌጋ‘ዩ።እኳዳኣስ ፅቡቅ ሰጉሞም‘ለው።ብመንፅር መንግስቲ ሱዳን፣ብቅንዕና ተሳቲፍና ኢና።ኣዎንታዊ ዝኾነ እማመ‘ውን ኣቅሪብና” ኢሎም።

ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ወሱኸን፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ንዝልብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ልዑል ቆላሕታ ከምዝሃበሉ ሓቢረን‘ለዋ።

”እቲ መስርሕ ሰላም ንኣዋርሕ እንተተጓቲቱ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ መልሰ-ግብሪ ኣይህበሉን ኢሉ ዝፅበ ሰብ ክህሉ ኣይኽእልን።እቲ ሓቂ ብግልባጡ‘ዩ።ኣብ ስምዒት‘ውን ዝተንተጠልጠለ ኣይኮነን።እቲ ቀንዲ ነገር፣እቶም ኣፈላላያት ተፈቲሖም ምርኣይ ጥራሕ‘ዩ ድልየትና” ይብላ ንሰን።

ክልቲኤን ሱዳን፣ንልዝበን ከሳልጣን፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃን ሕብረት ኣፍሪቃን ድማ፣ብግብሪ ክልቲኤን ሃገራት ክፈርዱ‘ዮም ኢለን ሱዘን ራይስ።

XS
SM
MD
LG