ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልቲኤን ሱዳን ዘሎ ውግእ ሕድ-ሕድ ኸብቅዕ ዓለምለኸ ፃዕሪ ንክሕይል ፃውዒት ቀሪቡ


Sudan - South Sudan map
Sudan - South Sudan map
ሕድ ሕድ ኵናት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንኸብቅዕ ዓለምለኸ ፃዕርታት ክሕይል ተነትንቲ ይፅውዑ ኣለው።መንግስቲ ካርቱም ኣብ ዳርፉርን ክፍለ ግዝኣታት ደቡባዊ ኮርዶፋን ብሉ ናይልን ተቓውሞ ንምዕፋን ሓይሊ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ነቐፍቲ ይኸስዎ።ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዘለን ክልተ ሃገራት ዘለዋ ፖሊሲ ብዝምልከት ንጉዳያት ኣፍሪካ፣ጥዕና ዓለም፣ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ትካላትን ዝጥምት ንኡስ ኮሚቴ ሰኔት ኣብ ቀረባ ኣብዝተሰምዐሉ እዋን መዘራረቢ ነጥቢ ነይሩ።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝመደብሩ Enough Project ዝተብሃለ ትካል ዝሰርሑ ጆን ፕሪንደርጋስት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቅልውላው ንኸብቅዕን ሰላም፣ዴሞክራስን ተሓታትነትን ንኽህሉን ተወሳኺ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቆላሕታ የድሊ እዩ ይብሉ።
ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ዞባ ዝመደበቶ ልኡኽ ካብ ሓደ ናብ ክልተ ክተዕብዮ እውን ይፅውዑ ፕሪንደርጋስት።

ኣብዚ እዋን እዚ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝሰርሑ ሓደ ዲፕሎማሰኛ፣ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ እዩ መዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ።
ዓቕሚ ኣምባሳደር ዶናልድ ብዘየገድስ ይብሉ ፕሪንደርጋስት ኣስዒቦም ‘’ምስ ዘድሊ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ብምውድዳር ሓደ ፍሉይ ልኡኽ እኹል ኣይኮነን።ኣብ ክልቲአን ሃገራት ይካየድ ዘሎ ኵናት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ።ነናይ ባዕለን ልኡኽ የድልየን እዩ’’ኢሎም።

እቲ ልኡኽ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ላዕለዎት ኦፊሰራት ኣገልግሎት ወፃ፣ ጥሮታ ዝወፁ ኣምባሳደራትን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ክኢላታትን ክሓቑፍ ኣለዎ ይብሉ ፕሪንደርጋስት።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዳርፉር፣ጎቦታት ኑባ፣ኣብ ኣሰሓሓቢት ግዝኣት ኣብየይ፣ኣብ ምብራቓዊ ክፍለ ግዝኣታት ብሉ ናይልን ደቡብ ኮርዶፋን ይካየድ ንዘለው ግጭታት ንኹሉ ዝጠመረ ኣገባብ ክኽተሉ ኣለዎም ኢሎም ብምውሳኽ።ዛጊድ ኢሎም ፕሪንደር-ጋስት ካርቱም ንቶም ከባቢትታ ንምቁፅፃርን ሰላም ንምዕሳልን ይካየዱ ንዘለው ዲምፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ንምግማዕን ዕዉት ስትራተጂ ኸፋፊልካ ምግዛእ ትጥቀም እያ ዘላ ይብሉ።

ካልኦት ተንተንቲ ብወገኖም ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ከባቢ ብወልቀ ሰብ ደረጃ ዝተመስረተ ዲፕሎማሲ ክትጥምቶ ይግባእ ይብሉ።ዋሊድ ፌይረስ ሓደ ካብ ዋና ፀሓፍቲ Transatlantic Legislative Group on Counter Terrorism ዝተባሃለ ትካል እዮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለው ኣብ ባይታ ንሰራዊት ይመርሑ ዘለው ኣዘዝቲ ሓዊሱ ቶኽሲ ጠጠው ንኸብሉዎ ዝሓቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ካብ ዋሽንግተን ክህሊ ኣለዎ ዝበሉ ፌይረስ ኣብ እዋን ሕድ ሕድ ኵናት ንዲፕሎማሰኛታት ዝሰምዖም ስለዘየለ ንፕሬዝዳንት ኦባማ ግን ክሰምዕዎም እዮም ኢሎም።
ምምሕዳር ኦባማ ናይ ቀደም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት George W. Bush ኣብቲ ፃዕሪ ክሓውሶም ኣለዎ ይብሉ ፌይረስ።ጆርጅ ቡሽ ኣብ ስልጣን ኣብዝነበርውሉ እዋን ንናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ብኣካል ረኺቦምዎም ነይሮም እዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣማባሳደር ዶናልድ ቡዝ ምምሕዳር ኦባማ ንናይ ቀደም ላዕለዎት ሰበስልጣን ከምዝረኸብዎምን ንቕድሚት እውን ከምዝቕፅልሉን ይገልፁ።

ዩናይትድ ስቴትስ ዘይመንግስታዊ ታካልት ሓዊሱ ዴሞክራሲ ንዘስፋሕፍሑ ጉጅለታት ማሕበራት መናእሰይን አቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ንፖለቲካዊ ፓርታትን ሓገዝ ንኽተሐይል ፕሪንደርጋስት ይፅውዑ።

ዩናይትድ ስቴትስ ገበናት ኵናት ፈፂሞም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝጥርጠሩ ሰበሰልጣን ደቡብ ሱዳን ብሕብረት ኣፍሪካ ንዝቕርብ ናይ ማዕቐብ ሓሳብ ክትድግፍ ኣለዋ ይብሉ ፕሪንደርጋስት።
ተሳትፎ ኢጋድ ዝተሓወሶ ሰፊሕ ፃዕሪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ንኸብቅዕ ይሕግዝ እዩ ዘሎ።
ኣብ ክልቴን ሱዳናት ይካየድ ዘሎ ህውከት ዓሰርተታት ኣሽሓት ናብቲ ዞባ ንኽስደዱን ሚሊዮናት ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ንኽመዛበሉን ገይሩ እዩ።
XS
SM
MD
LG