ነቲ ዝቕፅል ሓምለ ዝእወጅ ነፃነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘወድቕ ዶባዊ ምስሕሓብ ንኽፈትሑ ክልቲኦም ወገናይት ህፁፅ ዝርርብ ንኽካየዱ ዩ-ስ ፀዊዓ።ክልተ ላዕለዎት ልዑኽ ዩናይትድ ስቴትስ ስግኣት ኣሜሪካ ንምግላፅ ትማሊ ረቡዕ ካርቱም ኣትዮም ኣለው።
ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ጆኒ ካርሰን፣እቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝፀንሐ ከይዲ ውዕል ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣብ ኣብየ ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምፍታሕ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ህፁፅ ዝርርብ ከካይዱ ይፅውዑ።
ደቡብ ሱዳን ብመሰረት ናይ 2005 ኣ/ፈ ሓፈሻዊ ውዕል ሰላም ዝመፅእ ሓምለ ናፃ ሃገር ክትከውን እያ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ወታደራት ሱዳን ነቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢ ኣብየ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ምቁፅፃሮም ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎ ይርከብ።
ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩ-ስ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪካ ጆኒ ካርሰን ኣብ ቤት ፅሕፈት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ንስጉምቲ ወታደራት ሱዳን ኣሜሪካ ከምእትኹንኖ ኣረጋጊፆም ኣለው።
ጆኒ ካርሰን ብምቕፃል ‘’ኣብ ኣብየ ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡና’ሎ።ንትግባረ ሓፈሻዊ ውዕል ንምርግጋፅ ክሳብ 9 ሓምለ ኣብዘሎ ግዜ ክንዲ ዝካኣለና ክንሰርሕ ንደሊ’’ይብሉ።ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈጠረ ውጥረት ንምህዳእ ክልቲኦም መራሕቲ ተራኺቦም ክዘራረቡን ኣብቲ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ዝተረፉ ዛዕባታት ክፍፀሙን እውን ካርሰን ፀዊዖም።
ምምሕዳር ኦባማ ደቡብ ሱዳን ብሰላም ነፃነታ እንተኣዊጃ ከም መተባብዒ ምስ ሱዳን ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩ-ስ፣ንሱዳን ካብ ዝርዝር ንኣሸበርቲ ዝድግፉ መንግስታት ንምውፃእ ቃል ኣትዩ እዩ።እንተኾነ ሱዳን ንኣብየ ምቑፅፃራ እቲ ዝተኣተወ ቃል ንምትግባር ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ካርሰን ሓቢሮም ኣለው።