ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኣል-ሸባብ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ተቐቲሉ


ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ኣል ሸባብ ብደብዳብ ነፋሪት ኣሜሪካ 2 ሚያዚያ 2020 ኣብ ዞባ በይ ከባቢ ቡሽ መዲና ከምዝተቐትለ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

AFRICOM ኣብ ዘወፅኦ መግለፂ ኣብ ጉጅለ ግብረ ሸበራ ኣል ሸባብ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝፀንሐ ዩሱፍ ጂዒስ በቲ መጥቓዕቲ ምቕታሉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣዛዚ ናይቲ እዚ ጀነራል ስተፈን ታውንሰንድ ዩሱፍ ሓደ ካብ መስረቲ ኣል ሸባብን ኣብቲ ጉጅለ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ሓላፊነታት ሒዙ ዝነበረን ብምዃኑ ህይወት ብዙሓት ንፁሃን ዘጥፍአ ጨካን ብምንባሩ ናቱ ምውጋድ ንሶማልን ጎረባብቲ ሃገራትን ውሑሳት ዝገብር እዩ ኢሎም ።

አቲ ደብዳብ ንካልኦት ሰለስተ አባላት ኣልሸባብ ምቕታሉን ዛጊድ ዝተፈልጠ ግን ዩሱፍ ምዃኑን ኣፍሪኮም ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG